Psalms (25/150)  

1. ዎ እግዚኣብሄር፣ ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል አሎኹ።
2. ዎ ኣምላኸይ፣ ኣባኻ ተወኪለ እኔኹ። ኣይተሕፍረኒ፣ ጸላእተይ ብኣይ ደስ ኣይበሎም።
3. ንኣኻ ዚጽበዩ ከቶ ኣይኪሐፍሩን፣ እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጠልሙ ግና ኪሐፍሩ እዮም።
4. ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ፣ መገድታትካ ምሀረኒ።
5. ንስኻ ኣምላኽ ምድሓነይ ኢኻ እሞ፣ ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንን። ኵሉ መዓልቲ እጽበየካ አሎኹ።
6. ዎ እግዚኣብሄር፣ ምሕረትካን ሳህልኻን ካብ ዘለኣለም እየን እሞ፣ ዘክረን።
7. ዎ እግዚኣብሄር፣ ንሓጢኣት ንእስነተይን ኣበሳይን ኣይትዘክሮ፣ ከም ለውሃትካ፣ ስለ ሳህልኻ ኢልካ ዘክረኒ።
8. እግዚኣብሄር ሰናይን ቅኑዕን እዩ፣ ስለዚ ንሓጥኣን መገዱ ኺመህሮም እዩ።
9. ንትሑታት ብፍርዲ ኺምርሖም፣ ንትሑታትውን መገዱ ኼስተምህሮም እዩ።
10. ነቶም ኪዳኑን ምስክራቱን ዚሕልዉስ፣ መገድታት እግዚኣብሄር ኵላተን ሳህልን ሓቅን እየን።
11. ዎ እግዚኣብሄር፣ በደለይ ዓብዪ እዩ እሞ፣ ስለ ስምካ ኢልካ ይቕረ በለለይ።
12. ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆ ሰብ መን እዩ፣ ንእኡ እታ ዚሐርያ መገዲ ኺምህሮ እዩ።
13. ነፍሱ ብደሓን ክትነብር፣ ዘርኡውን ንምድሪ ኪወርሳ እዩ።
14. ምስጢር እግዚኣብሄርሲ ነቶም ዚፈርህዎ እዩ፣ ንሱውን ኪዳኑ ኼፍልጦም እዩ።
15. ነእጋረይ ካብ መርበብ ኬውጽኤን እዩ እሞ፣ ኣዒንተይ ኵሉ ጊዜ ናብ እግዚኣብሄር እየን።
16. ኣነ በይነይን ሽጉርን እየ እሞ፣ ናባይ ቍሊሕ በል፣ ደንግጸለይውን።
17. ጭንቀት ልበይ ዐዚዙ፣ ካብ ጸበባይ ኣውጽኣኒ።
18. ንመከራይን ጭንቀይን ርአዮ እሞ፣ ንዅሉ ሓጢኣተይ ሕደገለይ።
19. ጸላእተይ በዚሖም እዮም እሞ፣ ርአዮም፣ ግፍዔኛ ጽልኢ ይጸልኡኒ አለዉ።
20. ንነፍሰይ ሐልዋ ኣድሕነኒውን፣ ኣባኻ እውከል አሎኹ እሞ፣ ኣይትሕፍረኒ።
21. ብኣኻ ተስፋ ገይረ አሎኹ እሞ፣ ንጽህናን ቅንዕናን ይሐልዋኒ።
22. ዎ ኣምላኽ፣ ንእስራኤል ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣናግፎ።

  Psalms (25/150)