Psalms (24/150)  

1. እግዚኣብሄር ንምድሪ ኣብ ባሕሪ ሰሪትዋ፣ ኣብ ወሓይዝውን ኣጽኒዕዋ እዩ እሞ፣ ንሳን ምልኣታን፣ ዓለምን ዚነብርዋን ናቱ እዮም።
2. እግዚኣብሄር ንምድሪ ኣብ ባሕሪ ሰሪትዋ፣ ኣብ ወሓይዝውን ኣጽኒዕዋ እዩ እሞ፣ ንሳን ምልኣታን፣ ዓለምን ዚነብርዋን ናቱ እዮም።
3. ናብ ከረን እግዚኣብሄር ዚድይብ መን እዩ፣ ኣብቲ ቕዱስ ቦታኡ ዚቐውምሲ መን እዩ፣
4. እቲ ንጹህ ዝኣእዳዉን ንጹህ ዝልቡን፣ ነፍሱ ናብ ከንቱ ዘየልዕል፣ ንጥበራ ዘይምሕል ሰብ እዩ።
5. ንሱስ በረኸት ካብ እግዚኣብሄር፣ ጽድቂውን ካብ ናይ ምድሓኑ ኣምላኽ ኪቕበል እዩ።
6. እቶም ዚደልይዎ ወለዶ እዚኣቶም እዮም፣ ንገጽካ ዚደልዩ፣ ዎ ኣምላኽ ያእቆብ። ሴላ።
7. ኣቱም ደጌታት፣ ርእስኻትኩም ኣልዕሉ፣ ዎ ናይ ዘለኣለም ደጌታት፣ ልዕል በሉ፣ እቲ ንጉስ ክብሪውን ኪአቱ እዩ።
8. እዚ ንጉስ ክብሪኸ መን እዩ፣ እቲ ብርቱዕን ሓያልን እግዚኣብሄር፣ ኣብ ውግእ ዝብርቱዕ እግዚኣብሄር እዩ።
9. ኣቱም ደጌታት፣ ርእስኻትኩም ኣልዕሉ፣ ዎ ናይ ዘለኣለም ደጌታት፣ ልዕል በሉ፣ እቲ ንጉስ ክብሪውን ኪእቱ እዩ።
10. እዚ ንጉስ ክብሪ እዚ መን እዩ፣ ጐይታ ሰራዊት፣ እቲ ንጉስ ክብሪ ንሱ እዩ። ሴላ።

  Psalms (24/150)