| ← Psalms (22/150) → |
| 1. | ኣምላኸይ፣ ኣምላኸይ፣ ስለምንታይ ሐደግካኒ፣ ካብ ምርዳኤይን ካብ ቃላት ኣውያተይን ርሑቕ ኢኻ። |
| 2. | ዎ ኣምላኸይ፣ ብመዓልቲ እጠርዕ፣ ንስኻ ግና ኣይትመልስን፣ ብመዓልቲውን ትም ኣይብልን። |
| 3. | ኣታ ብማህሌት እስራኤል እትነብር፣ ንስኻ ቅዱስ ኢኻ። |
| 4. | ኣቦታትና ኣባኻ ተወኪሎም እዮም፣ ተወኪሎም፣ ንስኻውን ኣናገፍካዮም። |
| 5. | ኣባኻ ኣእወዩ እሞ ደሐኑ፣ ኣባኻ ተወከሉ እሞ ኣይሐፈሩን። |
| 6. | ኣነ ግና ሓሰኻን መላገጽ ሰብን፣ ብህብዚ እተናዕቀን እየ እምበር፣ ሰብሲ ኣይኰንኩን። |
| 7. | ዚርእዩኒ ዘበሉ የባጭዉለይ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ይተዐቘብ፣ እስኪ የናግፎ፣ ብሂግዎ እዩ እሞ፣ ንሱ የድሕኖ፣ ኢሎም ርእሶም እናነቕነቑ ኸናፍሮም ይርምጥጡለይ አለዉ። |
| 8. | ዚርእዩኒ ዘበሉ የባጭዉለይ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ይተዐቘብ፣ እስኪ የናግፎ፣ ብሂግዎ እዩ እሞ፣ ንሱ የድሕኖ፣ ኢሎም ርእሶም እናነቕነቑ ኸናፍሮም ይርምጥጡለይ አለዉ። |
| 9. | ግናኸ ካብ ማሕጸን ወላዲት ዘውጽእካኒ፣ ኣብ ኣጥባት እኖይ ብርግኣት ዘዕረፍካኒ ንስኻ ኢኻ። |
| 10. | ካብ ማሕጸን ወላዲት ኣባኻ ወደቕኩ፣ ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚርካ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ። |
| 11. | ጭንቂ ቐሪቡ አሎ፣ ዚሕግዘኒውን የልቦን እሞ፣ ካባይ ኣይትርሐቕ። |
| 12. | ብዙሓት ኣረውሕ ከቢቦምኒ፣ ብርቱዓት ኣረውሕ ባሳን ኣማእኪሎምኒ። |
| 13. | ከምቲ ዚዝርፍን ዚጓዝምን ኣንበሳስ ጐረሮኦም ይኸፍቱለይ አለዉ። |
| 14. | ኣነ ኸም ማይ ፈሰስኩ፣ ብዘሎ ኣዕጽምተይ ተፋላልዩ፣ ልበይ ከም ስምዒ ዀነ፣ ኣብ ማእከል ኣምዑተይ ከኣ መኸኸ። |
| 15. | ሓይለይ ከም ገልዒ ነቒጹ፣ ልሳነይ ኣብ ትንሓገይ ጠቢቑ፣ ናብ መሬት ሞት ኣውዲቕካኒ። |
| 16. | ኣኽላባት ከቢቦምኒ፣ ኣኼባ ገበርቲ እከይ ኣማእኪሎምኒ፣ ነእዳወይን ነእጋረይን ሸንኪሮምዎ እዮም እሞ፣ |
| 17. | ንዅሉ ኣዕጽምተይ ክቘጽሮ እኽእል እየ፣ ንሳቶም ይጥምቱንን ይዕዘቡንን አለዉ። |
| 18. | ንኽዳውንተይ ይማቐልዎ፣ ንቐምሸይውን ዕጻ የውድቑሉ። |
| 19. | ጐይታየ፣ ንስኻ ግና ካባይ ኣይትርሐቕ፣ ንስኻ ሓይለይ ኢኻ፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍ። |
| 20. | ንነፍሰይ ካብ ሴፍ፣ ነታ ቐንደይ ከኣ ካብ ኢድ ኣኽላባት ኣናግፋ። |
| 21. | ካብ ኣፍ ኣንበሳ ኣድሕነኒ፣ ካብ ቀርኒ ጐባይ ሰማዕካኒ። |
| 22. | ስምካ ነሕዋተይ ከዘንትወሎም፣ ኣብ ማእከል ማሕበር ከመስግነካ እየ። |
| 23. | ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሁ፣ ኣመስግንዎ። ኣቱም ዘርኢ ያእቆብ ዘበልኩም፣ ወድስዎ፣ ዘርኢ እስራኤል ኵሉኹምውን፣ ፍርህዎ። |
| 24. | ንጸበባ እቲ ጥቑዕ ኣይነዐቖን፣ ኣየዋረዶን እዩ እሞ፣ ናብኡ ምስ ኣእወየስ፣ ሰምዖ እምበር፣ ንገጹ ኻብኡ ኣይከወሎን። |
| 25. | እቲ ኣብ ዓብዪ ማሕበር ዘሎኒ ናእዳይ ካባኻ እዩ። ኣብ ቅድሚ ዚፈርህዎ መብጽዓይ ክፍጽም እየ። |
| 26. | ትሑታት ኪበልዑን ኪጸግቡን፣ ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ኺውድስዎ እዮም፣ ልብኹም ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ። |
| 27. | ወሰን ምድሪ ዅሎም ንእግዚኣብሄር ኪዝክርዎን ኪምለስዎን፣ ብዘለዉ ነገድ ኣህዛብውን ኣብ ቅድሜኻ ኪሰግዱ እዮም። |
| 28. | መንግስቲ ናይ እግዚኣብሄር እያ እሞ፣ ንሱውን ኣብ ኣህዛብ ኪጕይተት እዩ። |
| 29. | ናይ ምድሪ ስቡሓት ዘበሉ ኺበልዑን ኪሰግዱን፣ እቶም ናብ መሬት ዚወርዱ ዅላቶም እሞ ብህይወት ኪነብሩ ዘይኽእሉ ኣብ ቅድሚኡ ኺሰግዱ እዮም። |
| 30. | ዘርኢ ኺግዝኣሉ፣ ንዚመጽእ ወለዶ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኬዘንትዉሉ እዮም። |
| 31. | ንሱ ኸም ዝገበሮ፣ ነቲ ዝወለድ ህዝቢ መጺኦም ጽድቁ ኪነግርዎ እዮም። |
| ← Psalms (22/150) → |