Psalms (21/150)  

1. ዎ እግዚኣብሄር፣ ንጉስ ብሓይልኻ ይሕጐስ፣ ብምድሓንካኸ ክንደይ ኣዝዩ ዘይፍሳህ።
2. ትምኒት ልቡ ሂብካዮ፣ ልማኖ ኸናፍሩውን ኣይከላእካዮን። ሴላ።
3. ምስ በረኸት ሰናይ ተቓባቢልካዮ ኢኻ እሞ፣ ኣብ ርእሱ ዘውዲ ጽሩይ ወርቂ ደፋእካሉ።
4. ህይወት ለመነካ፣ ምንዋሕ ዕድመ ንሓዋሩ ንዘለኣለም ሀብካዮ።
5. ብሳላ ምድሓንካ ኽብሩ ዓብዪ እዩ፣ ድንቅን ግርማን ድማ ወሰኽካዮ።
6. ንዘለኣለም ንበረኸት ጌርካዮ ኢኻ እሞ፣ ኣብ ቅድሜኻ ብደስታ ኣሐጐስካዮ።
7. እቲ ንጉስ ብእግዚኣብሄር ይእመን እዩ እሞ፣ ብምሕረት እቲ ልዑል ከቶ ኣይኪዘናባዕን እዩ።
8. ንጸላእትካ ዘበሉ ኢድካ ኽትረኽቦም እያ፣ የማነይትኻ ነቶም ዚጸልኡኻ ኽትረኽቦም እያ።
9. ምስ እትበጽሖምሲ፣ ከም ርሱን እቶን ክትገብሮም ኢኻ። እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ኺውሕጦም፣ ሓዊ ድማ ኪበልዖም እዩ።
10. ንፍሬኦም ካብ ምድሪ፣ ንዘርኦምውን ካብ ማእከል ደቂ ሰብ ከተጥፍኦ ኢኻ።
11. ክፍኣት ሐሊኖምልካ እዮም እሞ፣ ዘየስልጥዎ እከይ መኸሩ።
12. ዝባኖም ከተምልሶም ኢኻ እሞ፣ ቀስትኻ ናብ ግምባሮም ኣቢልካ ኸተዳሉ ኢኻ።
13. ዎ እግዚኣብሄር፣ ብሓይልኻ ልዕል በል፣ ንስልጣንካ ኽንዝምርን ክንውድስን ኢና።

  Psalms (21/150)