Psalms (20/150)  

1. እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ጸበባ ይስማዕካ፣ ስም ኣምላኽ ያእቆብ ልዕል የብልካ።
2. ካብ መቕደስ ረዲኤት ይስደደልካ፣ ካብ ጽዮን ከኣ ይደግፍካ።
3. ንመስዋእቲ ብልዕኻ ዘበለ ይዝክሮ፣ ንመስዋእቲ ምሕራርካውን ይቀበሎ። ሴላ።
4. ነቲ ልብኻ ዚምነዮ ይሀብካ፣ ንምኽርኻ ዘበለውን ይፈጽሞ።
5. ብምንጋፍካ እልል ንብል፣ ንሰንደቕ ዕላማውን ብስም ኣምላኽና ነልዕሎ፣ ንዅሉ ልማኖኻ እግዚኣብሄር ይፈጽሞ።
6. ንቕቡኡ እግዚኣብሄር ከም ዜድሕኖ፣ ሕጂ ፈለጥኩ፣ ብናይ እታ የማነይቱ ሓይሊ ምድሓን ካብ ቅድስቲ ሰማዩ ኺመልሰሉ እዩ።
7. ገሊኣቶም ብሰረገላታት ገሊኣቶምውን በፍራስ ይእመኑ፣ ንሕና ግና ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንዝክሮ ኢና።
8. ንሳቶም ደኒኖም ወዲቖም፣ ንሕና ግና ደልዲልና ንቐውም።
9. ዎ እግዚኣብሄር፣ ንንጉስ ኣድሕኖ፣ በታ እንጠርዓላ መዓልቲ ይስምዓና።

  Psalms (20/150)