Psalms (2/150)  

1. ስለምንታይ እዮም ኣህዛብ ጫውጫው ዚብሉ፣ ህዝብታትሲ ከንቱ ዚሐስቡ፣
2. ነገስታት ምድሪ ይትንስኡ፣ መሳፍንቲ ኸኣ ሐቢሮም፣ ንመቓውሖም ንስበሮ፣ ንማእሰሪኦምውን ካባና ንደርብዮ፣ ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ መሲሁን ይመኽሩ።
3. ነገስታት ምድሪ ይትንስኡ፣ መሳፍንቲ ኸኣ ሐቢሮም፣ ንመቓውሖም ንስበሮ፣ ንማእሰሪኦምውን ካባና ንደርብዮ፣ ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ መሲሁን ይመኽሩ።
4. እቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ይስሕቆም፣ ጐይታ የላግጸሎም።
5. ሽዑ ብዅራኡ ይዛረቦም፣ ብነድሩ ኸኣ የፈራርሆም፣
6. ኣነ ኣብ ጽዮን ኣብ ቅዱስ ከረነይ ንጉሰይ ሸምኩ፣ ይብል።
7. እቲ ምዱብ ምኽሪ እነግር አሎኹ፣ እግዚኣብሄር በለኒ፣ ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ።
8. ኣህዛብ ንርስትኻ፣ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ንጥሪትካ ኽህበካስ፣ ለምነኒ።
9. ብበትሪ ሓጺን ክትቅጥቅጦም፣ ከም ኣቕሓ ስራሕ መሬት ከኣ ክትሰባብሮም ኢኻ።
10. እምበኣርሲ ኣቱም ነገስታት፣ ለብሙ፣ ኣቱም ፈራዶ ምድሪውን፣ ተአረሙ።
11. ንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ኣገልግልዎ፣ ብረዓድ ከኣ ተሐጐሱ።
12. ኵራኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፣ ከይዅሪ፣ ኣብ መገዲ ኸሎኹም ድማ ከይትጠፍኡስ፣ ንወዱ ስዐምዎ። ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ዅሎም ብጹኣን እዮም።

  Psalms (2/150)