Psalms (18/150)  

1. ዎ እግዚኣብሄር ሓይለይ፣ ኤፍቅረካ እየ።
2. እግዚኣብሄርሲ ኸውሔይ፣ ዕርደይ፣ መናገፍየይ፣ ኣምላኸይ፣ ዝሀድመሉ ጸግዔይ፣ ዋልታይ፣ ቀርኒ ምድሓነይ፣ ልዕል ዝበለ ኸውለይ እዩ።
3. ናብቲ ሞሳ ዚግብኦ እግዚኣብሄር ተማህለልኩ እሞ፣ ካብ ጸላእተይ ደሐንኩ።
4. መኣስር ሞት ከቢቡኒ፣ ወሓይዝ ብልያል ከኣ ሸቢሩኒ፣
5. መኣስር ሲኦል ከቢቡኒ፣ መፈንጠራታት ሞት በጺሑኒ ነይሩ።
6. ብጸበባይ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለልኩ፣ ናብ ኣምላኸይ ኣእዌኹ፣ ንድምጸይ ካብ መቕደሱ ሰምዖ፣ ኣውያተይውን ናብ ቅድሚኡ ኣብ ኣእዛኑ በጽሔ።
7. ሽዑ ምድሪ ተናወጸት ራዕራዕ ድማ በለት፣ መሰረታት ኣኽራን ከኣ ኣንደቕደቑ፣ ንሱ ነዲሩ እዩ እሞ፣ ኣንደቕደቑ፣
8. ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ፈለል በለ፣ ካብ ኣፉ ኸኣ ሞዅ ዜብል ሓዊ ወጸ፣ ጓህሪ ኻብኡ መጸ።
9. ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ብርቱዕ ጣቓ ነበረ እሞ፣ ንሰማያት ለጠቕ ኣቢሉ ወረደ።
10. ኣብ ኪሩቤል ተቐሚጡ በረረ፣ ቀልጢፉ ብኣኽናፍ ንፋስ ሸበበ።
11. ንሱ ጸልማት ንመሰወሪኡ፣ ጸልማት ማያትን ብርቱዕ ደበናታትን ከኣ ንድንኳኑ ኣብ ዙርያኡ ገበሮ።
12. ብነጸብራቕ ገጹ ደበናታቱን በረድን ጓህሪ ሓውን ሐለፈ።
13. እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ሰማያት ኣንጐድጐደ። እቲ ልዑል ብበረድን ብጓህሪ ሓውን ድምጹ ኣስምዔ።
14. ፍላጻታቱ ወርዊሩ ፋሕ ኣበሎም፣ መባርቕ ኣብዚሑ ኣህደሞም።
15. ብተግሳጽካ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ብእስትንፋስ ኣፍንጫኻ መዓሙቝ ማያት ተራእዩ እሞ፣ መሰረታት ዓለም ተቐልዔ።
16. ካብ ላዕሊ ልኢኹ ሐዘኒ፣ ስሒቡ ኻብ ብርቱዕ ማያት ኣውጽኣኒ።
17. እቲ ብርቱዕ ጸላእየይን እቶም ዚጸልኡንን፣ ሐይሎሙኒ ነበሩ እሞ፣ ካባኦም ኣናገፈኒ።
18. ብመዓልቲ መከራይ ሓደጋ ወደቑኒ፣ እግዚኣብሄር ግና ደጋፍየይ ኰነ።
19. ንሱ ናብ ገፊሕ ቦታ ኣውጽኣኒ፣ ብሂጉኒ እዩ እሞ፣ ኣናገፈኒ።
20. ንመገድታት እግዚኣብሄር ሐሊወየን፣ ብረሲእነት ካብ ኣምላኸይ ኣይረሐቕኩን፣ ንዅሉ ሕጋጋቱ ኣብ ቅድመይ ሒዘዮ እየ፣ ንስርዓታቱ ድማ ካባይ ኣይፈሌኽዎን እሞ፣ እግዚኣብሄር ብመጠን ጽድቀይ ክሒሱኒ፣ ከም መጠን ንጽህና ኣእዳወይ ፈድዩኒ እዩ።
21. ንመገድታት እግዚኣብሄር ሐሊወየን፣ ብረሲእነት ካብ ኣምላኸይ ኣይረሐቕኩን፣ ንዅሉ ሕጋጋቱ ኣብ ቅድመይ ሒዘዮ እየ፣ ንስርዓታቱ ድማ ካባይ ኣይፈሌኽዎን እሞ፣ እግዚኣብሄር ብመጠን ጽድቀይ ክሒሱኒ፣ ከም መጠን ንጽህና ኣእዳወይ ፈድዩኒ እዩ።
22. ንመገድታት እግዚኣብሄር ሐሊወየን፣ ብረሲእነት ካብ ኣምላኸይ ኣይረሐቕኩን፣ ንዅሉ ሕጋጋቱ ኣብ ቅድመይ ሒዘዮ እየ፣ ንስርዓታቱ ድማ ካባይ ኣይፈሌኽዎን እሞ፣ እግዚኣብሄር ብመጠን ጽድቀይ ክሒሱኒ፣ ከም መጠን ንጽህና ኣእዳወይ ፈድዩኒ እዩ።
23. ምስኡ ኸኣ ፍጹም ነይረ፣ ካብ ሓጢኣተይውን ተሐልየ።
24. ስለዚ እግዚኣብሄር ብመጠን ጽድቀይ፣ ብመጠን እቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ዝዀነ ንጽህና ኣእዳወይ ፈደየኒ።
25. ንስኻ ነቲ ዝስቀ ሰብ ተድሕኖ፣ ንዕቡያት ኣዒንቲ ግና ለጠቕ ተብለን ኢኻ እሞ፣ ምስቲ ሄርሲ ሄር፣ ምስቲ ቕኑዕውን ቅኑዕ ኢኻ፣ ምስቲ ንጹህሲ ንጹህ፣ ምስቲ ጠዋይ ድማ ጠዋይ ኢኻ።
26. ንስኻ ነቲ ዝስቀ ሰብ ተድሕኖ፣ ንዕቡያት ኣዒንቲ ግና ለጠቕ ተብለን ኢኻ እሞ፣ ምስቲ ሄርሲ ሄር፣ ምስቲ ቕኑዕውን ቅኑዕ ኢኻ፣ ምስቲ ንጹህሲ ንጹህ፣ ምስቲ ጠዋይ ድማ ጠዋይ ኢኻ።
27. ንስኻ ነቲ ዝስቀ ሰብ ተድሕኖ፣ ንዕቡያት ኣዒንቲ ግና ለጠቕ ተብለን ኢኻ እሞ፣ ምስቲ ሄርሲ ሄር፣ ምስቲ ቕኑዕውን ቅኑዕ ኢኻ፣ ምስቲ ንጹህሲ ንጹህ፣ ምስቲ ጠዋይ ድማ ጠዋይ ኢኻ።
28. ንመብራህተይ ተድምቖ ኢኻ እሞ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ንጸልማተይ የብርሆ እዩ።
29. ብኣኻ ንሰራዊት እጥሕሶ እየ እሞ፣ ብኣምላኸይውን ንቐጽሪ እዘሎ።
30. መገዲ ኣምላኽሲ ፍጽምቲ እያ፣ ቃል እግዚኣብሄር እተዀልዔ እዩ፣ ነቶም ብእኡ ዚውከሉ ዘበሉ ዋልታኦም እዩ።
31. ብዘይ እግዚኣብሄር እሞ መን እዩ እምላኽ፣ ብዘይ ኣምላኽናኸ መን እዩ ኸውሒ፣
32. እቲ ሓይሊ ዜዕጥቐኒ፣ ንመገደይ ከኣ ዜቕንዓ ኣምላኽ፣
33. ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ዚገብረን፣ ኣብቲ በሪኽ ቦታይ ዜቝመኒ፣
34. ንሱ ነእዳወይ ወግእ፣ ንቐላጽመይ ድማ ምግታእ ቀስቲ ኣስራዚ ዘልመደን እዩ።
35. ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሂብካኒ፣ የማነይቲ ኢድካውን ደጊፋትኒ፣ ሕያውነትካ ድማ ዓብዪ ገይሩኒ።
36. ኣእጋረይ ከይሰናኸላስ፣ ንመገደይ ኣብ ትሕቲ ስጕምተይ ተርሕባ ኢኻ።
37. ንጸላእተይ ስጕጐዮምን ኣርኪበዮምን፣ ከየጥፋእክዎም ከኣ ኣይተመለስኩን።
38. ወቒዔዮምሲ ኺትንስኡ ኣይተኻእሎምን፣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋረይ ወዲቖም።
39. ንውግእሲ ሓይሊ ኣዕጢቕካኒ፣ ንተቓወምተይ ኣብ ትሕተይ ኣድኒንካዮም።
40. ዝባን ጸላእተይ ከኣ ሂብካኒ፣ ንዚጸልኡኒውን ኣጥፊኤዮም።
41. ኣእውዮምሲ ዜድሕኖም ኣይነበረን፣ ናብ እግዚኣብሄር ኣእውዮም፣ ኣይመለሰሎምን።
42. ከምቲ ንንፋስ ዚውፈ ሓመድ ደቝሰዮም፣ ከምቲ ጭቃ መገዲ ዀስቲረዮም።
43. ካብ ክርክር ህዝቢ ኣናጊፍካኒ፣ ርእሲ ኣህዛብ ጌርካኒ፣ ዘይፈለጥክዎ ህዝቢ ተገዚኡኒ።
44. ብምስማዕ እዝኒ ጥራይ ተአዚዞምኒ፣ ደቂ መጻእተኛታት ወስሊቶምለይ።
45. ደቂ መጻእተኛታት ጸምልዮም፣ እናንቀጥቀጡ ኻብ ከውሎም ወጺኦም።
46. እግዚኣብሄር ህያው እዩ፣ ከውሔይ ብሩኽ ይኹን፣ ኣምላኽ ምድሓነይ ልዕል ይበል።
47. እቲ ሕነ ዚፈድየለይ፣ ነህዛብውን ዜግዝኣለይ፣
48. ካብ ጸላእተይ ዜውዕለንስ ኣምላኽ እዩ። እወ፣ ኣብ ልዕሊ ተጻረርተይ ልዕል እተብለኒ፣ ካብቲ ዓመጸኛ ሰብ እትባልሃኒ ንስኻ ኢኻ።
49. ስለዚ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካ፣ ንስምካውን ክዝምረሉ እየ።
50. ዓብዪ ድሕንነት ንንጉስ ይገብረሉ፣ ንቕቡኡ፣ ንዳዊት፣ ንዘርኡ ኸኣ ንዘለኣለም ምሕረት ይገብረሎም።

  Psalms (18/150)