| ← Psalms (16/150) → | 
| 1. | ዎ ኣምላኽ፣ ብኣኻ እውከል አሎኹ እሞ፣ ሐልወኒ። | 
| 2. | ንእግዚኣብሄር፣ ንስኻ ጐይታይ ኢኻ፣ ብዘይ ንስኻስ ሰናይ የብለይን፣ ኢለዮ። | 
| 3. | ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅዱሳን፣ ንሳቶም ክቡራን እዮም፣ ባህገይ ኵሉ ኣባታቶም እዩ ዘሎ፣ በልኩ። | 
| 4. | ጻዕሪ እቶም ናብ ካልኦት ዚጐዩ ኺበዝሕ እዩ። ናይ ደም መስዋእቲ መስቲኦም ኣይክስውኡን። ንስሞም ከኣ ብኸናፍረይ ኣይከውስእን እየ። | 
| 5. | እግዚኣብሄርሲ ኽፍሊ ርስተይን ጽዋኤይን እዩ፣ ነቲ ብዕጻ ዝበጽሓኒ እተጽንዖ ንስኻ ኢኻ። | 
| 6. | ኣብ ባህ ዜብል ቦታ ዕጻ በጺሑኒ፣ ኤረ ጽቡቕ ርስቲ መጺኡኒ፣ | 
| 7. | ነቲ ዚምዕደኒ እግዚኣብሄር እባርዀ አሎኹ፣ ብለይቲ እኳ ኰላሊተይ ይምህራኒ እየን። | 
| 8. | ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ፣ ብየማነይ ስለ ዝዀነ፣ ኣይክናወጽን እየ። | 
| 9. | ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን፣ ቅዱስካውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ እሞ፣ ስለዚ ልበይ ይሕጐስ፣ ክብረይ እልል ይብል፣ ስጋይውን ኣብ ጽኑዕ ኪሐድር እዩ። | 
| 10. | ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን፣ ቅዱስካውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ እሞ፣ ስለዚ ልበይ ይሕጐስ፣ ክብረይ እልል ይብል፣ ስጋይውን ኣብ ጽኑዕ ኪሐድር እዩ። | 
| 11. | ንመገዲ ህይወት ትሕብረኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጐስ ጽጋብ፣ ኣብ የማናይካውን ንዘለኣለም ብጽእና አሎ። | 
| ← Psalms (16/150) → |