Psalms (16/150)  

1. ዎ ኣምላኽ፣ ብኣኻ እውከል አሎኹ እሞ፣ ሐልወኒ።
2. ንእግዚኣብሄር፣ ንስኻ ጐይታይ ኢኻ፣ ብዘይ ንስኻስ ሰናይ የብለይን፣ ኢለዮ።
3. ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅዱሳን፣ ንሳቶም ክቡራን እዮም፣ ባህገይ ኵሉ ኣባታቶም እዩ ዘሎ፣ በልኩ።
4. ጻዕሪ እቶም ናብ ካልኦት ዚጐዩ ኺበዝሕ እዩ። ናይ ደም መስዋእቲ መስቲኦም ኣይክስውኡን። ንስሞም ከኣ ብኸናፍረይ ኣይከውስእን እየ።
5. እግዚኣብሄርሲ ኽፍሊ ርስተይን ጽዋኤይን እዩ፣ ነቲ ብዕጻ ዝበጽሓኒ እተጽንዖ ንስኻ ኢኻ።
6. ኣብ ባህ ዜብል ቦታ ዕጻ በጺሑኒ፣ ኤረ ጽቡቕ ርስቲ መጺኡኒ፣
7. ነቲ ዚምዕደኒ እግዚኣብሄር እባርዀ አሎኹ፣ ብለይቲ እኳ ኰላሊተይ ይምህራኒ እየን።
8. ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ፣ ብየማነይ ስለ ዝዀነ፣ ኣይክናወጽን እየ።
9. ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን፣ ቅዱስካውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ እሞ፣ ስለዚ ልበይ ይሕጐስ፣ ክብረይ እልል ይብል፣ ስጋይውን ኣብ ጽኑዕ ኪሐድር እዩ።
10. ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን፣ ቅዱስካውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ እሞ፣ ስለዚ ልበይ ይሕጐስ፣ ክብረይ እልል ይብል፣ ስጋይውን ኣብ ጽኑዕ ኪሐድር እዩ።
11. ንመገዲ ህይወት ትሕብረኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጐስ ጽጋብ፣ ኣብ የማናይካውን ንዘለኣለም ብጽእና አሎ።

  Psalms (16/150)