| ← Psalms (15/150) → |
| 1. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ፣ ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ፣ |
| 2. | እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን፣ |
| 3. | ብልሳኑ ዘይሐሚ፣ ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፣ ንብጻዩ ዘይጸርፎ፣ |
| 4. | እቲ ጽዩፍ ንዑቕ ኰይኑ ዚረአዮ፣ ንፈራህቲ እግዚኣብሄር ግና ዜኽብሮም፣ ዚጐድኦ እኳ እንተ ኰነ፣ ነቲ ዝመሐለሉ ዘይልውጦ፣ |
| 5. | ገንዘቡ ብሓረጣ ዘይህብ፣ ንጕድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል፣ እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለኣለም ኣይናወጽን እዩ። |
| ← Psalms (15/150) → |