Psalms (15/150)  

1. ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ፣ ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ፣
2. እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን፣
3. ብልሳኑ ዘይሐሚ፣ ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፣ ንብጻዩ ዘይጸርፎ፣
4. እቲ ጽዩፍ ንዑቕ ኰይኑ ዚረአዮ፣ ንፈራህቲ እግዚኣብሄር ግና ዜኽብሮም፣ ዚጐድኦ እኳ እንተ ኰነ፣ ነቲ ዝመሐለሉ ዘይልውጦ፣
5. ገንዘቡ ብሓረጣ ዘይህብ፣ ንጕድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል፣ እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለኣለም ኣይናወጽን እዩ።

  Psalms (15/150)