Psalms (148/150)  

1. ሃሌሉያ። ኣብ ኣርያም ኣመስግንዎ።
2. ኲሉኹም መላእኽቱ፡ ኣመስግንዎ፡ ብዘሎኹም ሰራዊቱ፡ ኣመስግንዎ።
3. ኣትን ጸሓይን ወርሕን፡ ኣመስግንኦ፡ ኣቱም ብሩሃት ከዋኽብቲ፡ ኣመስግንዎ።
4. ኣቱም ናይ ሰማየ ሰማያትን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዘሎኹም ማያትን፡ ኣመስግንዎ።
5. ንሱ ኣዚዙ፡ ተፈጢሮም እዮም እሞ፡ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ።
6. ንዘለኣለም ኣለም ኣቘሞም፡ ዘይሐልፍ ሕጊ ኸኣ ሀቦም።
7. ንእግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ኣመስግንዎ፡ ኣቱም ገበላት ባሕርን መዓሙቚን ኲሉኹም፡
8. ኣቱም ሓውን በረድን ኣስሓይታን ግመን ቃሉ እተስልጥ ህቦብላን፡
9. ኣቱም ኣኽራንን ኰረቢትን ኲሉኹም፡ ፈረይቲ ኣእዋምን ጽሕድታትን ኲሉኹም፡
10. ኣራዊትን ኲላትኩም እንስሳን ለመም እትብሉን ነፈርቲ ኣዕዋፍን፡
11. ነገስታት ምድርን ኲላትኩም ኣህዛብን፡ መሳፍንትን ኲላትኩም ፈረድቲ ምድርን፡
12. ኣጒባዝን ጐራዙትን፡ ዓበይቲ ምስ ናእሽቱ።
13. ስሙ በይኑ ልዑል እዩ፡ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፡ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ።
14. ንህዝቡውን ቀርኒ ኣልዐለ፡ ስለዚ ዂሎም ቅዱሳኑ፡ ደቂ እስራኤል፡ እቲ ዚቐርቦ ህዝቢ፡ የመስግኖ ኣሎ።

  Psalms (148/150)