Psalms (146/150)  

1. ሃሌሉያ።
2. ብህይወተይ ከሎኹ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ፡ ክሳዕ ዘሎኹ ንኣምላኸይ ክውድሶ እየ።
3. ብመሳፍንቲ፡ በቲ ኺረድእ ዘይከኣሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ።
4. ትንፋሱ ይወጽእ፡ ናብ መሬቱ ይምለስ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ።
5. ኣምላኽ ያእቆብ ዝረዲኤቱ፡ ተስፋኡ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝገበረ ሰብ ብጹእ እዩ።
6. ንሰማይን ምድርን፡ ንባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዂሉን ዝገበረ፡ ንሓቂ ኽሳዕ ዘለኣለም ዚሕሉ፡
7. ንጥቑዓት ፍትሒ ዜውጽኣሎም፡ ንጥሙያት እንጌራ ዚህቦም ንሱ እዩ፡ እግዚኣብሄር ንእሱራት ይፈትሖም።
8. እግዚኣብሄር ነዒንቲ ዕዉራት ይኸፍተን፡ እግዚኣብሄር ንዝደነኑ የቕንዖም፡ እግዚኣብሄር ንጻድቃን የፍቅሮም፡
9. እግዚኣብሄር ንስደተኛታት የዕቊቦም፡ እግዚኣብሄር ንዘኽታምን መበለትን ይኣልዮም፡ ንመገዲ ረሲኣን ግና ይጠዋውያ።
10. እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይነግስ፡ ዎ ጽዮን፡ ኣምላኽኪ ንውሉድ ወለዶ ይነግስ።

  Psalms (146/150)