| ← Psalms (145/150) → | 
| 1. | ዎ ኣምላኸይ፡ ንጉሰይ፡ ልዕል ከብለካ፡ ስምካውን ንዘለኣለም ኣለም ክባርኽ እየ። | 
| 2. | ኲሉ መዓልቲ ኽባርኸካ፡ ስምካውን ንዘለኣለም ኣለም ክውድስ እየ። | 
| 3. | እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፡ ምስጋና ይግብኦ፡ ዕብየቱ ዘይተመርማሪ እዩ። | 
| 4. | ካብ ወለዶ ንወለዶ ግብርታትካ ይንእዱ፡ ስልጡን ተግባርካውን የውርዩ። | 
| 5. | ንኽቡር ጌጽ ግርማኻን ንመስተንክር ግብርታትካን ከስተንትን እየ። | 
| 6. | ብዛዕባ ሓይሊ እቲ ዜፍርህ ግብርታትካ ኺዛረቡ እዮም፡ ኣነውን ዕቤትካ ኸዘንቱ እየ። | 
| 7. | መዘከርታ ዓብዪ ሳህልኻ ኼውርዮ፡ ብጽድቅኻውን እልል ኪብሉ እዮም። | 
| 8. | እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን እዩ፡ ዓቃልን ብሳህሊ ዓብይን እዩ። | 
| 9. | እግዚኣብሄር ንዂሉ ሰናይ እዩ፡ ርሕራሔኡ ኸኣ ኣብ ኲሉ ግብርታቱ እዩ። | 
| 10. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ግብርታትካ ኼማስወካ፡ ቅዱሳንካውን ኪባርኹኻ እዮም። | 
| 11. | ግብርታት ሓይልኻን ክቡር ግርማ መንግስትኻን ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኼፍልጡ፡ ክብሪ መንግስትኻ ኺዛረቡ፡ ስልጣንካውን ኪነግሩ እዮም። | 
| 12. | ግብርታት ሓይልኻን ክቡር ግርማ መንግስትኻን ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኼፍልጡ፡ ክብሪ መንግስትኻ ኺዛረቡ፡ ስልጣንካውን ኪነግሩ እዮም። | 
| 13. | መንግስትኻ መንግስቲ ዘለኣለም እያ፡ ግዝኣትካ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር። | 
| 14. | እግዚኣብሄር ነቶም ዚወድቁ ዂሎም ይድግፎም፡ ነቶም ለጠቕ ዚብሉ ዂሎም የልዕሎም። | 
| 15. | ኣዒንቲ ዂሎም ንኣኽ ኣይጽበያ፡ ንስኻውን በብጊዜኡ ምግቦም ትህቦም። | 
| 16. | ኢድካ ትኸፍት እሞ፡ ንህያው ዘበለ ዂሉ ብበረኸት ተጽግቦ። | 
| 17. | እግዚኣብሄር ብዂሉ መገዱ ጻድቕ እዩ፡ ብዂሉ ግብሩውን ሕያዋይ እዩ። | 
| 18. | እግዚኣብሄር ንዚጽውዕዎ ዂሎም፡ ብሓቂ ንዚጽውዕዎ ዂሎም ቀረባኦም እዩ። | 
| 19. | ፍቓድ እቶም ዚፈርህዎ ይፍጽም፡ ኣውያቶም ይሰምዕ የድሕኖም ከኣ። | 
| 20. | እግዚኣብሄር ንዜፍቅርዎ ዂሎም ይሕልዎም፡ ንዂሎም ረሲኣን ግና የጥፍኦም። | 
| 21. | ኣፈይ ምስጋና እግዚኣብሄር ይዛረብ፡ ኲሉ ስጋ ኸኣ ንቕዱስ ስሙ ንዘለኣለም ኣለም ይባርኾ። | 
| ← Psalms (145/150) → |