Psalms (145/150)  

1. ዎ ኣምላኸይ፡ ንጉሰይ፡ ልዕል ከብለካ፡ ስምካውን ንዘለኣለም ኣለም ክባርኽ እየ።
2. ኲሉ መዓልቲ ኽባርኸካ፡ ስምካውን ንዘለኣለም ኣለም ክውድስ እየ።
3. እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፡ ምስጋና ይግብኦ፡ ዕብየቱ ዘይተመርማሪ እዩ።
4. ካብ ወለዶ ንወለዶ ግብርታትካ ይንእዱ፡ ስልጡን ተግባርካውን የውርዩ።
5. ንኽቡር ጌጽ ግርማኻን ንመስተንክር ግብርታትካን ከስተንትን እየ።
6. ብዛዕባ ሓይሊ እቲ ዜፍርህ ግብርታትካ ኺዛረቡ እዮም፡ ኣነውን ዕቤትካ ኸዘንቱ እየ።
7. መዘከርታ ዓብዪ ሳህልኻ ኼውርዮ፡ ብጽድቅኻውን እልል ኪብሉ እዮም።
8. እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን እዩ፡ ዓቃልን ብሳህሊ ዓብይን እዩ።
9. እግዚኣብሄር ንዂሉ ሰናይ እዩ፡ ርሕራሔኡ ኸኣ ኣብ ኲሉ ግብርታቱ እዩ።
10. ዎ እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ግብርታትካ ኼማስወካ፡ ቅዱሳንካውን ኪባርኹኻ እዮም።
11. ግብርታት ሓይልኻን ክቡር ግርማ መንግስትኻን ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኼፍልጡ፡ ክብሪ መንግስትኻ ኺዛረቡ፡ ስልጣንካውን ኪነግሩ እዮም።
12. ግብርታት ሓይልኻን ክቡር ግርማ መንግስትኻን ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኼፍልጡ፡ ክብሪ መንግስትኻ ኺዛረቡ፡ ስልጣንካውን ኪነግሩ እዮም።
13. መንግስትኻ መንግስቲ ዘለኣለም እያ፡ ግዝኣትካ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።
14. እግዚኣብሄር ነቶም ዚወድቁ ዂሎም ይድግፎም፡ ነቶም ለጠቕ ዚብሉ ዂሎም የልዕሎም።
15. ኣዒንቲ ዂሎም ንኣኽ ኣይጽበያ፡ ንስኻውን በብጊዜኡ ምግቦም ትህቦም።
16. ኢድካ ትኸፍት እሞ፡ ንህያው ዘበለ ዂሉ ብበረኸት ተጽግቦ።
17. እግዚኣብሄር ብዂሉ መገዱ ጻድቕ እዩ፡ ብዂሉ ግብሩውን ሕያዋይ እዩ።
18. እግዚኣብሄር ንዚጽውዕዎ ዂሎም፡ ብሓቂ ንዚጽውዕዎ ዂሎም ቀረባኦም እዩ።
19. ፍቓድ እቶም ዚፈርህዎ ይፍጽም፡ ኣውያቶም ይሰምዕ የድሕኖም ከኣ።
20. እግዚኣብሄር ንዜፍቅርዎ ዂሎም ይሕልዎም፡ ንዂሎም ረሲኣን ግና የጥፍኦም።
21. ኣፈይ ምስጋና እግዚኣብሄር ይዛረብ፡ ኲሉ ስጋ ኸኣ ንቕዱስ ስሙ ንዘለኣለም ኣለም ይባርኾ።

  Psalms (145/150)