Psalms (144/150)  

1. እግዚኣብሄር እምባይ፡ ነእዳወይ ውግእ፡ ነጻብዔይ ድማ ሰልፊ ዝመሀረ፡ ይባረኽ።
2. ጸጋይ፡ ዕርደይ፡ እምባይ፡ መድሓንየይ፡ ዋልታይ፡ እቲ ዝውከሎ፡ ንህዝበይ ዜግዝኣለይ ንስኻ ኢኻ።
3. ዎ እግዚኣብሄር፡ ሰብ እንታይ እዩ እትፈልጦ? ወዲ ሰብከ እንታይ እዩ እትዝክሮ?
4. ሰብ ንትንፋስ ይመስል፡ መዓልትታቱ ኸም ዚሐልፍ ጽላሎት እየን።
5. ዎ እግዚኣብሄር፡ ሰማያትካ ለጠቕ ኣቢልካ ውረድ፡ ነኽራን ተንክዮ እሞ፡ ኪተክኽ።
6. መባርቕ ኣባርቕ እሞ፡ በትኖም፡ ፍላጻታትካ ወርዊርካ ኣሸብሮም።
7. ኣእዳውካ ኻብ ላዕሊ ዘርግሕ፡ ካብ ብርቱዕ ማያት፡ ካብ ኢድ ውሉድ ጓና ኣናግፈኒ።
8. ካብቶም ኣፎም ጥልመት ዚዛረቡ፡ የማነይቲ ኢዶም ከኣ የማነይቲ ሓሶት ብዀነት ባልሃኒ።
9. ዎ ኣምላኽ፡ ሓድሽ መዝሙር እዝምረልካ፡ ዓሰርተ ብዘውታሩ በገና እውድሰካ ኣሎኹ።
10. ንነገስታት ዲል ዝሀብካ፡ ንዳዊት ባርያኻ ኻብ ክፉእ ዘድሐንካ ንስኻ ኢኻ።
11. ካብ ኢድ ውሉድ ጓና፡ ኣፎም ጥልመት ዚዛረብ፡ የማነይቲ ኢዶም የማነይቲ ሓሶት ዝዀነት፡ ኣናግፈንን ባልሃንን።
12. ኣወዳትና ብጒብዝናኦም ከም ነዋሕቲ ኣትክልቲ ይኹኑ፡ ኣዋልድና ኸም ኣተሃናንጻ ኣዳራሽ እተወቕረ ኣዕኑድ ኲርናዕ ይኹና፡
13. መዓኽንና በብዓይነቱ እኽሊ ይምላእ፡ ኣባጊዕና ኣብ መሮርና ኣሽሓትን ኣእላፋትን ይውለዳ፡
14. ኣብዑርና ኣጸቢቖም ይመንጒዱ፡ ኣብ ኣደባባያትናስ ምጥሓስን ምህዳምን ኣውያትን ኣይኹን።
15. ከምዚ ዚረክብ ህዝቢ ብጹእ እዩ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ ብጹእ እዩ።

  Psalms (144/150)