| ← Psalms (143/150) → |
| 1. | ጐይታየ፡ ጸሎተይ ስማዕ፡ ንምህለላይ ጽን በሎ፡ ብሓቅኻን ብጽድቅኻን ምለሰለይ። |
| 2. | ህያው ዘበለ ኣብ ቅድሜኻስ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን እሞ፡ ምስ ባርያኻ ኣብ ፍርዲ ኣይትእቶ። |
| 3. | ጸላኢ ንነፍሰይ ይሰጓ፡ ንህይወተይ ናብ ምድሪ ይድርብያ፡ ከምቶም ቀደም ዝሞቱ ኣብ ጸልማት የንብረኒ ኣሎ። |
| 4. | መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ይደክም፡ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ይስምብድ ኣሎ። |
| 5. | ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር፡ ኲሉ ተግባርካ ኤስተንትን፡ ግብሪ ኣእዳውካ እሐስብ ኣሎኹ። |
| 6. | ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ፡ ነፍሰይ ከም ደርቕ ምድሪ ትጸምኣኻ ኣላ።ሴላ። |
| 7. | ዎ እግዚኣብሄር፡ መንፈሰይ ደኺሙ እዩ እሞ፡ ቀልጢፍካ ምለሰለይ፡ ነቶም ኣብ ጒድጓድ ዝወረዱ ኸይመስልሲ፡ ገጽካ ኣይትኸውለለይ። |
| 8. | ብኣኻ እውከል ኣሎኹ እሞ፡ ኣንጊህካ ሳህልኻ ኣስምዓኒ፡ ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል ኣሎኹ እሞ፡ እታ ዝኸዳ መገዲ ኣፍልጠኒ። |
| 9. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ዕቚባኻ እየ፡ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ። |
| 10. | ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ፡ ሰናይ መንፈስካ ብቕኑዕ መገዲ ይምርሓኒ። |
| 11. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ስለ ስምካ ኢልካ ብህይወት ኣንብረኒ፡ ብጽድቅኻ ንነፍሰይ ካብ ጸበባ ኣውጽኣያ። |
| 12. | ኣነ ባርያኻ እየ እሞ፡ ብሳህልኻ ንጸላእተይ ኣጽንቶም፡ ነቶም ንነፍሰይ ዜጽቡቡላ ዂሎም ከኣ ኣጥፍኣዮም። |
| ← Psalms (143/150) → |