Psalms (143/150)  

1. ጐይታየ፡ ጸሎተይ ስማዕ፡ ንምህለላይ ጽን በሎ፡ ብሓቅኻን ብጽድቅኻን ምለሰለይ።
2. ህያው ዘበለ ኣብ ቅድሜኻስ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን እሞ፡ ምስ ባርያኻ ኣብ ፍርዲ ኣይትእቶ።
3. ጸላኢ ንነፍሰይ ይሰጓ፡ ንህይወተይ ናብ ምድሪ ይድርብያ፡ ከምቶም ቀደም ዝሞቱ ኣብ ጸልማት የንብረኒ ኣሎ።
4. መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ይደክም፡ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ይስምብድ ኣሎ።
5. ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር፡ ኲሉ ተግባርካ ኤስተንትን፡ ግብሪ ኣእዳውካ እሐስብ ኣሎኹ።
6. ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ፡ ነፍሰይ ከም ደርቕ ምድሪ ትጸምኣኻ ኣላ።ሴላ።
7. ዎ እግዚኣብሄር፡ መንፈሰይ ደኺሙ እዩ እሞ፡ ቀልጢፍካ ምለሰለይ፡ ነቶም ኣብ ጒድጓድ ዝወረዱ ኸይመስልሲ፡ ገጽካ ኣይትኸውለለይ።
8. ብኣኻ እውከል ኣሎኹ እሞ፡ ኣንጊህካ ሳህልኻ ኣስምዓኒ፡ ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል ኣሎኹ እሞ፡ እታ ዝኸዳ መገዲ ኣፍልጠኒ።
9. ዎ እግዚኣብሄር፡ ዕቚባኻ እየ፡ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ።
10. ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ፡ ሰናይ መንፈስካ ብቕኑዕ መገዲ ይምርሓኒ።
11. ዎ እግዚኣብሄር፡ ስለ ስምካ ኢልካ ብህይወት ኣንብረኒ፡ ብጽድቅኻ ንነፍሰይ ካብ ጸበባ ኣውጽኣያ።
12. ኣነ ባርያኻ እየ እሞ፡ ብሳህልኻ ንጸላእተይ ኣጽንቶም፡ ነቶም ንነፍሰይ ዜጽቡቡላ ዂሎም ከኣ ኣጥፍኣዮም።

  Psalms (143/150)