| ← Psalms (142/150) → |
| 1. | ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኤእዊ፡ ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር እምህለል ኣሎኹ። |
| 2. | ጓህየይ ኣብ ቅድሚኡ እኽዑ፡ ሽጋረይ ኣብ ቅድሚኡ እነግር። |
| 3. | መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ማህመነ፡ መገደይ ፈለጥካ፡ ኣብታ ዝሐልፋ መገዲ መፈንጠራ ሐብኡለይ። |
| 4. | ኣብ የማን ጠምት እሞ ርኤ፡ ዚፈልጠኒ የልቦን፡ መዕቈቢ ሰኣንኩ፡ ንነፍሰይ ግዲ ዚገብረላ የልቦን። |
| 5. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ናባኻ ኣእዌኹ፡ ንስኻ መዕቈብየይ፡ ኣብ ምድሪ ህያዋን ግደይ ኢኻ። |
| 6. | ኣብ ብዙሕ መከራ እየ ዘሎኹ እሞ፡ ኣውያተይ ስማዕ፡ ሐይሎምኒ እዮም እሞ፡ ካብ ሰጐጒተይ ኣናግፈኒ። |
| 7. | ንስምካ ኸማሱስ፡ ንነፍሰይ ካብ ማእሰርቲ ኣውጽኣያ፡ ሰናይ ክትገብረለይ ኢኻ እሞ፡ ጻድቃን ኪኸቡኒ እዮም። |
| ← Psalms (142/150) → |