Psalms (142/150)  

1. ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኤእዊ፡ ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር እምህለል ኣሎኹ።
2. ጓህየይ ኣብ ቅድሚኡ እኽዑ፡ ሽጋረይ ኣብ ቅድሚኡ እነግር።
3. መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ማህመነ፡ መገደይ ፈለጥካ፡ ኣብታ ዝሐልፋ መገዲ መፈንጠራ ሐብኡለይ።
4. ኣብ የማን ጠምት እሞ ርኤ፡ ዚፈልጠኒ የልቦን፡ መዕቈቢ ሰኣንኩ፡ ንነፍሰይ ግዲ ዚገብረላ የልቦን።
5. ዎ እግዚኣብሄር፡ ናባኻ ኣእዌኹ፡ ንስኻ መዕቈብየይ፡ ኣብ ምድሪ ህያዋን ግደይ ኢኻ።
6. ኣብ ብዙሕ መከራ እየ ዘሎኹ እሞ፡ ኣውያተይ ስማዕ፡ ሐይሎምኒ እዮም እሞ፡ ካብ ሰጐጒተይ ኣናግፈኒ።
7. ንስምካ ኸማሱስ፡ ንነፍሰይ ካብ ማእሰርቲ ኣውጽኣያ፡ ሰናይ ክትገብረለይ ኢኻ እሞ፡ ጻድቃን ኪኸቡኒ እዮም።

  Psalms (142/150)