Psalms (141/150)  

1. ጐይታየ፡ ናባኻ ኤእዊ ኣሎኹ፡ ቀልጢፍካ ምጸኒ፡ ክጽውዓካ ኸሎኹ ንድምጸይ ጽን በሎ።
2. ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣን፡ ምልዓል ኢደይ ከም መስዋእቲ ምሸት ይኹን።
3. ጐይታየ፡ ንኣፈይ ቀፊር ግበረሉ፡ ደገ ኸናፍረይ ሐሉ።
4. ምስ ገበርቲ እከይ ረሲእነት ከይገብርሲ፡ ንልበይ ናብ ክፍኣት ኣይተዘምብሎ፡ ኣነውን ካብቲ ጥዑም ብልዖም ኣይብላዕ።
5. ጻድቕ ይውቅዓኒ፡ ለውሃት እዩ፡ ይዝለፈኒ፡ ዘይቲ ርእሲ እዩ፡ ርእሰይ ኣይእበዮ፡ ጸሎተይ ገና ብእከዮም እዩ።
6. ፈረድቶም ብገደል ምስ ጸደፉ፡ ቃላተይ ጥዑም ምዃኑ ኺሰምዑ እዮም።
7. ከምቲ ሰብ ንምድሪ ዚትልሞን ዚሐርሶን፡ ኣዕጽምትና ኸምኡ ኣብ ኣፍ ሲኦል ተበተነ።
8. ዎ እግዚኣብሄር፡ ጐይታየ፡ ኣዒንተይ ናባኻ እየን፡ ኣባኻ እውከል ኣሎኹ፡ ንነፍሰይ ኣይትኽዐዋ።
9. ካብቲ ዜጻውዱለይ መጻወድያን ካብ መፈንጠራ ገበርቲ እከይን ሐልወኒ።
10. ኣነ ኽሐልፍ ከሎኹስ፡ ረሲኣን ኣብ መጻወድያኦም ይውደቑ።

  Psalms (141/150)