Psalms (14/150)  

1. ዓሻስ ብልቡ፣ ኣምላኽ የልቦን፣ ይብል። ብልሽዋት እዮም፣ ፍንፉን ግብሪ ገበሩ፣ ሓደ እኳ ሰናይ ዚገብር የልቦን።
2. ንእግዚኣብሄር ዚደሊ ለባም እንተሎ ኺርኢ ኢሉስ፣ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ጠመተ።
3. ኵላቶም ዘምቢሎም፣ ብዘለዉ ዅላቶም ረኺሶም፣ ገለ ሰናይ ዚገብር የልቦን፣ ሓደ እኳ የልቦን።
4. እዞም ንህዝበይ ከም እንጌራ ዚውሕጥዎ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ዘይጠርዑ ገበርቲ እከይ ኵላቶምሲ፣ ፍልጠትዶ የብሎምን እዮም፣
5. እግዚኣብሄር ኣብ ወለዶ ጻድቃን እዩ እሞ፣ እንሆ፣ ዓብዪ ፍርሃት ሒዝዎም።
6. ንምኽሪ ጥቑዕ ተቋናጽብዎ አሎኹም፣ ግናኸ እግዚኣብሄር መዕቈቢኡ እዩ።
7. ኣየ፣ ካብ ጽዮን ምድሓን እስራኤል እንተ ዚመጽእ። እግዚኣብሄር ምርኰ ህዝቡ ኺመልስ ከሎ፣ ሽዑ ያእቆብ ኪሕጐስ፣ እስራኤልውን ባህ ኪብል እዩ።

  Psalms (14/150)