| ← Psalms (139/150) → |
| 1. | ጐይታየ፡ ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውን። |
| 2. | ንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦ፡ ንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ። |
| 3. | ጐይታየ፡ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፡ እንሆ፡ ኲሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር፡ ንብዘሎ መገደይውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። |
| 4. | ጐይታየ፡ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፡ እንሆ፡ ኲሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር፡ ንብዘሎ መገደይውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። |
| 5. | ብድሕሪት ብቕድሚትን ከበብካኒ፡ ኢድካውን ኣንበርካለይ። |
| 6. | እዚ ፍልጠት እዚ ኣዝዩ ይገርመኒ፡ ልዑል እዩ፡ ከርክቦ ኣይክእልን። |
| 7. | ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ፡ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሀድም እየ? |
| 8. | ንሰማይ እንተ ደየብኩ፡ ንስኻ ኣብኡ ኣለኻ፡ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፡ እንሆ፡ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ። |
| 9. | ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ወሰድኩ፡ ኣብ ወሰን ባሕሪ እንተ ተቐመጥኩ፡ |
| 10. | ኣብኡ ኸኣ ኢድካ ኽትመርሓኒ፡ የማነይቲ ኢድካውን ክትሕዘኒ እያ። |
| 11. | ጸልማት ይኸውለኒ፡ ኣብ ዙርያይ ዘሎ ብርሃን ከኣ ለይቲ ይኹን፡ እንተ በልኩ፡ |
| 12. | ንኣኻስ ጸልማት እኳ ኣይጽልምተካን፡ ለይቲ ኸኣ ከም መዓልቲ ትበርህ፡ ጸልማት ብርሃንን ንኣኻ ሓደ እዮም። |
| 13. | ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፡ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፡ |
| 14. | መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፡ ከማስወካ እየ፡ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፡ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ። |
| 15. | ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፡ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተኣለምኩ፡ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን። |
| 16. | ኣዒንትኻ፡ ድቂ ኸሎኹ፡ ረኣያኒ፡ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፡ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፡ ኲለን ኣብ መጽሓፍትካ ተጻሕፋ። |
| 17. | ዎ ኣምላኽ፡ ሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ፡ ቊጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ። |
| 18. | እንተ ቘጸርክዎ፡ ካብ ሑጻ ይበጽሕ፡ እንተ ነቓሕኩ፡ ገና ምሳኻ እየ። |
| 19. | ዎ ኣምላኽ፡ ንረሲእ ኰታ እንተ ትቐትሎ፡ ኣቱም ደመኛታት፡ ካባይ ርሐቑ። |
| 20. | ስምካ ብተንኰል ይሰምዩ፡ ጸላእትኻ ከንቱ ይዛረቡ። |
| 21. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ነቶም ጸላእትኻዶ ኣይጽልኣዮም? ነቶም ዚትንስኡኻስ ኣይፈንፍኖም? |
| 22. | ፍጹም ጽልኢ እጸልኦም፡ ጸላእተይ እዮም። |
| 23. | ዎ ኣምላኽ፡ መርምረኒ፡ ልበይ ከኣ ፍለጥ፡ ፈትነኒ፡ ሓሳበይውን ፍለጥ። |
| 24. | መገዲ ዓመጻ እንተ ኣልዩኒ፡ ርኤ፡ ኣብቲ ናይ ዘለኣለም መገዲ ምርሓኒ። |
| ← Psalms (139/150) → |