| ← Psalms (138/150) → |
| 1. | ብምሉእ ልበይ ኤመስግነካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣማልኽቲ ምስጋናኻ እዝምር። |
| 2. | ንቓልካ ሓለፋ ዂሉ ስምካ ኣዕቢኻዮ ኢኻ እሞ፡ ናብ ቅዱስ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ፡ ንስምካውን ስለ ሳህልኻን ሓቅኻን ኢለ ኸመስግኖ እየ። |
| 3. | በታ ዝጸዋዕኩላ መዓልቲ መለስካለይ፡ ኣትባዕካኒ፡ ንነፍሰይ ኣበርታዕካያ። |
| 4. | ጐይታየ፡ ኲሎም ነገስታት ምድሪ፡ ቃላት ኣፍካ ሰሚዖም፡ ኬመስግኑኻ እዮም። |
| 5. | ክብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፡ ብዛዕባ መገድታት እግዚኣብሄር ኪዝምሩ እዮም። |
| 6. | እግዚኣብሄር ልዑል እዩ እሞ፡ ንትሑት ይርእዮ፡ ንዕቡይውን ካብ ርሑቕ የለልዮ። |
| 7. | ብማእከል መከራ እኳ እንተ ኸድኩ፡ ንስኻ ህያው ትገብረኒ፡ ኢድካ ኣብ ኲራ ጸላእተይ ትዝርግሕ፡ የማነይቲ ኢድካውን ተድሕነኒ። |
| 8. | እግዚኣብሄር ኪፍጽመለይ እዩ፡ ጐይታየ፡ ጸጋኻ ንዘለኣለም ይነብር፡ ንተግባር ኣእዳውካ ኣይትሕደጎ። |
| ← Psalms (138/150) → |