Psalms (138/150)  

1. ብምሉእ ልበይ ኤመስግነካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣማልኽቲ ምስጋናኻ እዝምር።
2. ንቓልካ ሓለፋ ዂሉ ስምካ ኣዕቢኻዮ ኢኻ እሞ፡ ናብ ቅዱስ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ፡ ንስምካውን ስለ ሳህልኻን ሓቅኻን ኢለ ኸመስግኖ እየ።
3. በታ ዝጸዋዕኩላ መዓልቲ መለስካለይ፡ ኣትባዕካኒ፡ ንነፍሰይ ኣበርታዕካያ።
4. ጐይታየ፡ ኲሎም ነገስታት ምድሪ፡ ቃላት ኣፍካ ሰሚዖም፡ ኬመስግኑኻ እዮም።
5. ክብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፡ ብዛዕባ መገድታት እግዚኣብሄር ኪዝምሩ እዮም።
6. እግዚኣብሄር ልዑል እዩ እሞ፡ ንትሑት ይርእዮ፡ ንዕቡይውን ካብ ርሑቕ የለልዮ።
7. ብማእከል መከራ እኳ እንተ ኸድኩ፡ ንስኻ ህያው ትገብረኒ፡ ኢድካ ኣብ ኲራ ጸላእተይ ትዝርግሕ፡ የማነይቲ ኢድካውን ተድሕነኒ።
8. እግዚኣብሄር ኪፍጽመለይ እዩ፡ ጐይታየ፡ ጸጋኻ ንዘለኣለም ይነብር፡ ንተግባር ኣእዳውካ ኣይትሕደጎ።

  Psalms (138/150)