Psalms (137/150)  

1. ኣብ ጥቓ ርባታት ተቐመጥና፡
2. መሰንቆታትና ኣብቲ ኣብኣ ዘሎ ዕቦላት ሰቐልና።
3. እቶም ዝማረኹና ናይ መዝሙር ቃላት ካባና ደለዩ፡ እቶም ሰቀይትናውን፡ ሓደ መዝሙር ጽዮን ዘምሩልና፡ እናበሉ ኽንሕጐስ ለመኑና።
4. ከመይ ጌርና እሞ መዝሙር እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ጓና ኽንዝምር?
5. የሩሳሌመየ፡ እንተ ረሲዔክስ፡ የማነይቲ ኢደይ ትረስዓኒ።
6. እንተ ዘይዘኪረኪ፡ ንየሩሳሌም ከኣ ሓለፋ ዂሉ ሓጐሰይ እንተ ዘይገይረያስ፡ መልሓሰይ ኣብ ትንሓገይ ትጣበቕ።
7. ዎ እግዚኣብሄር፡ ነቶም፡ ኣፍርሱ፡ ክሳዕ መሰረታ ኣፍርስዋ፡ ዝበሉ ደቂ ኤዶም ብመዓልቲ የሩሳሌም ዘክሮም።
8. ኣቲ ኽትዐንዊ ዘሎኪ ጓል ባቢሎን፡ ሕነ እቲ ዝገበርክና ዚፈድየኪ ምስጉን እዩ።
9. ንሕጻናትኪ ሒዙ ኣብ ከውሒ ዚጭፍልቖም ምስጉን እዩ።

  Psalms (137/150)