| ← Psalms (137/150) → |
| 1. | ኣብ ጥቓ ርባታት ተቐመጥና፡ |
| 2. | መሰንቆታትና ኣብቲ ኣብኣ ዘሎ ዕቦላት ሰቐልና። |
| 3. | እቶም ዝማረኹና ናይ መዝሙር ቃላት ካባና ደለዩ፡ እቶም ሰቀይትናውን፡ ሓደ መዝሙር ጽዮን ዘምሩልና፡ እናበሉ ኽንሕጐስ ለመኑና። |
| 4. | ከመይ ጌርና እሞ መዝሙር እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ጓና ኽንዝምር? |
| 5. | የሩሳሌመየ፡ እንተ ረሲዔክስ፡ የማነይቲ ኢደይ ትረስዓኒ። |
| 6. | እንተ ዘይዘኪረኪ፡ ንየሩሳሌም ከኣ ሓለፋ ዂሉ ሓጐሰይ እንተ ዘይገይረያስ፡ መልሓሰይ ኣብ ትንሓገይ ትጣበቕ። |
| 7. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ነቶም፡ ኣፍርሱ፡ ክሳዕ መሰረታ ኣፍርስዋ፡ ዝበሉ ደቂ ኤዶም ብመዓልቲ የሩሳሌም ዘክሮም። |
| 8. | ኣቲ ኽትዐንዊ ዘሎኪ ጓል ባቢሎን፡ ሕነ እቲ ዝገበርክና ዚፈድየኪ ምስጉን እዩ። |
| 9. | ንሕጻናትኪ ሒዙ ኣብ ከውሒ ዚጭፍልቖም ምስጉን እዩ። |
| ← Psalms (137/150) → |