Psalms (136/150)  

1. እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፡
2. ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ኣማልኽቲ ኣመስግንዎ።
3. ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንጐይታ ጐይቶት ኣመስግንዎ።
4. ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ነቲ በይኑ ዓብዪ ተኣምራት ዝገበረ፡
5. ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ነቲ በእምሮ ንሰማያት ዝገበረ፡
6. ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ነቲ ንምድሪ ኣብ ልዕሊ ማያት ዝዘርግሓ፡
7. ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ነቲ ዓበይቲ ብርሃናት ዝገበረ፡
8. ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንጸሓይ ብመዓልቲ ዘሰልጠነ፡
9. ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንወርሕን ከዋኽብትን ብለይቲ ዘሰልጠነ፡
10. ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ነቲ ንግብጺ ብበዂሮም ዝወቕዔ፡
11. ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንእስራኤል ከኣ ካብ ማእከሎም ዘውጽኤ፡
12. ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ብብርቱዕ ኢድን ብዝርጉሕ ቅልጽምን፡
13. ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ነቲ ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ክልተ ዝመቐለ፡
14. ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንእስራኤል ከኣ ብማእከላ ዘሕለፈ፡
15. ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንፈርኦንን ሰራዊቱን ድማ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ዘጥሐለ፡
16. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፡ ነቲ ንህዝቡ ብበረኻ ኣቢሉ ዝመርሔ፡
17. ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ነቲ ንዓበይቲ ነገስታት ዝወቕዖም፡
18. ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንስልጡናት ነገስታት ከኣ ዝቐተለ፡
19. ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንሲሆን፡ ንጉስ ኣሞራውያን፡
20. ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንኦግ ንጉስ ባሳን ድማ፡
21. ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ምድሮምውን ንርስቲ ዝሀበ፡
22. ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንእስራኤል ባርያኡ ዘረስተየ፡
23. ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ እቲ ኣብ ውርደትና ዝዘከረና፡
24. ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ካብ መጥቃዕትና ኸኣ ዘናገፈና፡
25. ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ እቲ ንዂሉ ስጋ ዚምግብ፡
26. ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስግንዎ።

  Psalms (136/150)