Psalms (133/150)  

1. እንሆ፡ ኣሕዋት ብሓደ ሐቢሮም ኪነብሩስ፡ ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ።
2. ከምቲ ኽቡር ዘይቲ ኣብ ርእሲ፡ ኣብ ጭሕሚ ኣሮን፡ ናብቲ ዘፈር ልብሱ ዚወርድ እዩ።
3. እግዚኣብሄር ኣብ በረኸትን ህይወትን ንዘለኣለም ኣዚዙ እዩ እሞ፡ ከምቲ ናብ ኣኽራን ጽዮን ዚወርድ ጠሊ ሄርሞን እዩ።

  Psalms (133/150)