Psalms (131/150)  

1.  ዎ እግዚኣብሄር፡ ልበይ ኣይተዐበየን፡ ኣዒንተይ ከኣ ልዕል ኣይበላን፡ ኣብ ዓብይን ዘየስተውዕሎን ነገር ኣይመላለስን።
2.  ንነፍሰይ ኣህዳእክዋ፡ ስቕ ኣበልክዋ፡ ከም ጡብ ዝሐደገ ሕጻን ኣብ ሕቚፊ ኣዲኡ፡ ነፍሰይ ከምቲ ጡብ ዝሐደገ ሕጻን ኣባይ ከምኡ እያ።
3.  ኣታ እስራኤል፡ ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።

  Psalms (131/150)