| ← Psalms (130/150) → |
| 1. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ ዓሚቚ ናባኻ ኣእዌኹ፡ |
| 2. | ጐይታየ፡ ድምጸይ ስማዕ፡ ኣእዛንካ ናብ ድምጺ ምህለላይ የቕልባ። |
| 3. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ፡ ጐይታየ፡ መን ደው ኪብል እዩ? |
| 4. | ግናኸ ምእንቲ ኺፈርሁኻ፡ ይቕሬታ ምሳኻ አሎ። |
| 5. | ንእግዚኣብሄር እጽበ፡ ነፍሰይ ትጽበ ኣላ፡ ብቓሉውን ተስፋ እገብር ኣሎኹ። |
| 6. | ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዚጽበዩ ሓለውቲ፡ እወ፡ ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዚጽበዩ ሓለውቲ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ትጽበዮ ኣላ። |
| 7. | ሳህሊ ኣብ እግዚኣብሄር፡ ብዙሕ ምድሓን ከኣ ኣብኡ እዩ እሞ፡ ዎ እስራኤል፡ ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ። |
| 8. | ንሱውን ንእስራኤል ካብ ኲሉ ኣበሳኡ ኼድሕኖ እዩ። |
| ← Psalms (130/150) → |