Psalms (130/150)  

1.  ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ ዓሚቚ ናባኻ ኣእዌኹ፡
2.  ጐይታየ፡ ድምጸይ ስማዕ፡ ኣእዛንካ ናብ ድምጺ ምህለላይ የቕልባ።
3.  ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ፡ ጐይታየ፡ መን ደው ኪብል እዩ?
4.  ግናኸ ምእንቲ ኺፈርሁኻ፡ ይቕሬታ ምሳኻ አሎ።
5.  ንእግዚኣብሄር እጽበ፡ ነፍሰይ ትጽበ ኣላ፡ ብቓሉውን ተስፋ እገብር ኣሎኹ።
6.  ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዚጽበዩ ሓለውቲ፡ እወ፡ ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዚጽበዩ ሓለውቲ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ትጽበዮ ኣላ።
7.  ሳህሊ ኣብ እግዚኣብሄር፡ ብዙሕ ምድሓን ከኣ ኣብኡ እዩ እሞ፡ ዎ እስራኤል፡ ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ።
8.  ንሱውን ንእስራኤል ካብ ኲሉ ኣበሳኡ ኼድሕኖ እዩ።

  Psalms (130/150)