Psalms (13/150)  

1. ዎ እግዚኣብሄር፣ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ፈጺምካ እትርስዓኒ፣ ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ገጽካ ትኽውለለይ፣
2. ክሳዕ መኣዝ ብነፍሰይ ክጭነቕ፣ ዕለተ ዕለትሲ ብልበይ ክሐዝን እየ፣ ጸላእየይከ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዚዕብልለኒ፣
3. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ጠምት እሞ ምለሰለይ። ኣነ ድቃስ ሞት ከይድቅስ፣ ጸላእየይ፣ ስዒረዮ፣ ከይብል፣ እንተ ተናወጽኩ፣ ተጻረርተይ ከይፍስሁስ፣ ነዒንተይ ኣብርሃየን።
4. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ጠምት እሞ ምለሰለይ። ኣነ ድቃስ ሞት ከይድቅስ፣ ጸላእየይ፣ ስዒረዮ፣ ከይብል፣ እንተ ተናወጽኩ፣ ተጻረርተይ ከይፍስሁስ፣ ነዒንተይ ኣብርሃየን።
5. ኣነ ግና ብምሕረትካ እውከል አሎኹ፣ ብልበይ ብምድሓንካ ይሕጐስ አሎ።
6. እግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩለይ እዩ እሞ፣ ምስጋናኡ ኽዝምር እየ።

  Psalms (13/150)