Psalms (129/150)  

1. ካብ ንእስነተይ ጀሚሮም ብዙሕ ጊዜ ኣጻበቡለይ፡ ይበል እስራኤል፡
2. ካብ ንእስነተይ ጀሚሮም ብዙሕ ጊዜ ኣጻበቡለይ፡ ግናኸ ኣይሰዐሩንን።
3. ሓረስቶት ኣብ ዝባነይ ሐረሱ፡ ትልምታቶም ኣንውሑ።
4. እግዚኣብሄር ጻድቕ እዩ፡ ኣግማድ ረሲኣን በተኸ።
5. ንጽዮን ዚጸልኡ ዂላቶም ይሕፈሩ፡ ንድሕሪትውን ይመለሱ።
6. ከምቲ ሳዕሪ ናሕሲ፡ ዓጻዲ ኢዱ መሊኡ ዘይዐትረሉ፡ መልዓል እንዳእቲውን መሊኡ ዘይሐቚፈሉ፡ ከይዐበየ ዚሀጒጒ ይኹን።
7. ከምቲ ሳዕሪ ናሕሲ፡ ዓጻዲ ኢዱ መሊኡ ዘይዐትረሉ፡ መልዓል እንዳእቲውን መሊኡ ዘይሐቚፈሉ፡ ከይዐበየ ዚሀጒጒ ይኹን።
8. ሓለፍቲ መገዲ ድማ፡ በረኸት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ይኹን፡ ብስም እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣሎና፡ ኣይብሉን።

  Psalms (129/150)