| ← Psalms (128/150) → |
| 1. | ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ፡ ብመገዱ ዚመላለስ ዘበለ ሰብ ብጹእ እዩ። |
| 2. | ዕዮ ኣእዳውካ ኽትበልዑ ኢኻ እሞ፡ ብጹእ ኢኻ፡ ደሓንውን ክትረክብ ኢኻ። |
| 3. | ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ እዮም። |
| 4. | እንሆ፡ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ ሰብ ከምዚ ኢሉ ኺባረኽ እዩ። |
| 5. | እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ኪባርኸኻ፡ ኲለን መዓልትታት ህይወትካ ድማ ሰናይ የሩሳሌም ክትርኢ ኢኻ። |
| 6. | ደቂ ደቅኻውን ክትርኢ ኢኻ። ሰላም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይኹን። |
| ← Psalms (128/150) → |