Psalms (128/150)  

1. ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ፡ ብመገዱ ዚመላለስ ዘበለ ሰብ ብጹእ እዩ።
2. ዕዮ ኣእዳውካ ኽትበልዑ ኢኻ እሞ፡ ብጹእ ኢኻ፡ ደሓንውን ክትረክብ ኢኻ።
3. ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ እዮም።
4. እንሆ፡ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ ሰብ ከምዚ ኢሉ ኺባረኽ እዩ።
5. እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ኪባርኸኻ፡ ኲለን መዓልትታት ህይወትካ ድማ ሰናይ የሩሳሌም ክትርኢ ኢኻ።
6. ደቂ ደቅኻውን ክትርኢ ኢኻ። ሰላም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይኹን።

  Psalms (128/150)