Psalms (127/150)  

1.  እግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሀነጻ፡ ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ። እግዚኣብሄር ንኸተማ እንተ ዘይሐለዋ፡ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ።
2.  ኣንጊሀኩም ምትንሳእኩም፡ ኣምሲኹም ምድቃስኩም፡ እንጌራ ጻዕሪ ምብላዕኩም ከንቱ እዩ፡ እዝስ ንፍቁራቱ ደቂሶም ከለዉ ይህቦም እዩ።
3.  እንሆ፡ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም፡ ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።
4.  ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ፡ ውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም።
5.  ጒልድባኡ ብእኦም ዝመልኤ ሰብኣይ ብጹእ እዩ፡ ኣብ ደገ ምስ ጸላእቲ እንተ ተዛረቡ፡ ኣይሐፍሩን እዮም።

  Psalms (127/150)