Psalms (126/150)  

1. እግዚኣብሄር ንምሩኻት ጽዮን ምስ መለሶም፡ ከም ሓለምቲ ነበርና።
2. ሽዑ ኣፍና ብሰሓቕ፡ መልሓስናውን ብእልልታ መልኤ። ሽዑ ኣህዛብ፡ ነዚኣቶም እግዚኣብሄር ዓብዪ ግብሪ ገይሩሎም፡ ተባሃሀሉ።
3. እግዚኣብሄር ዓብዪ ግብሪ ገበረልና፡ ንሕናውን ተሐጐስና።
4. ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ንወሓይዝ ደቡብ ጌርካ ንምሩኻትና ምለሶም።
5. ብንብዓት ዚዘርኡ ብእልልታ ይዐጽዱ።
6. ዘርኢ ተሰኪሙ ብብኽያት ይወፍር፡ እንዳእቱ ተሰኪሙ ብእልልታ ይምለስ።

  Psalms (126/150)