| ← Psalms (126/150) → |
| 1. | እግዚኣብሄር ንምሩኻት ጽዮን ምስ መለሶም፡ ከም ሓለምቲ ነበርና። |
| 2. | ሽዑ ኣፍና ብሰሓቕ፡ መልሓስናውን ብእልልታ መልኤ። ሽዑ ኣህዛብ፡ ነዚኣቶም እግዚኣብሄር ዓብዪ ግብሪ ገይሩሎም፡ ተባሃሀሉ። |
| 3. | እግዚኣብሄር ዓብዪ ግብሪ ገበረልና፡ ንሕናውን ተሐጐስና። |
| 4. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ንወሓይዝ ደቡብ ጌርካ ንምሩኻትና ምለሶም። |
| 5. | ብንብዓት ዚዘርኡ ብእልልታ ይዐጽዱ። |
| 6. | ዘርኢ ተሰኪሙ ብብኽያት ይወፍር፡ እንዳእቱ ተሰኪሙ ብእልልታ ይምለስ። |
| ← Psalms (126/150) → |