Psalms (125/150)  

1. እቶም ብእግዚኣብሄር ዚውከሉ ኸምታ ዘይትናወጽ፡ ንዘለኣለም እትነብር ከረን ጽዮን እዮም።
2. ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ኣኽራን ኣሎ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ኣብ ዙርያ ህዝቡ እዩ።
3. ስለዚ ጻድቃን ኣእዳዎም ናብ ዓመጻ ኸይዝርግሑስ፡ በትሪ ረሲእነት ኣብ ርስቲ ጽድቃን ኣይነብርን እዩ።
4. ጐይታየ፡ ንሰናያትን ንቕኑዓት ልብን ሰናይ ግበረሎም።
5. ነቶም ናብ ጥውጥዋይ መገዶም ዜግልሱ ግና እግዚኣብሄር ምስቶም ገበርቲ እከይ ኪሰዶም እዩ። ሰላም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይኹን።

  Psalms (125/150)