| ← Psalms (125/150) → |
| 1. | እቶም ብእግዚኣብሄር ዚውከሉ ኸምታ ዘይትናወጽ፡ ንዘለኣለም እትነብር ከረን ጽዮን እዮም። |
| 2. | ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ኣኽራን ኣሎ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ኣብ ዙርያ ህዝቡ እዩ። |
| 3. | ስለዚ ጻድቃን ኣእዳዎም ናብ ዓመጻ ኸይዝርግሑስ፡ በትሪ ረሲእነት ኣብ ርስቲ ጽድቃን ኣይነብርን እዩ። |
| 4. | ጐይታየ፡ ንሰናያትን ንቕኑዓት ልብን ሰናይ ግበረሎም። |
| 5. | ነቶም ናብ ጥውጥዋይ መገዶም ዜግልሱ ግና እግዚኣብሄር ምስቶም ገበርቲ እከይ ኪሰዶም እዩ። ሰላም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይኹን። |
| ← Psalms (125/150) → |