Psalms (124/150)  

1. እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይነብርሲ፡ ይበል እስራኤል፡
2. እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይነብር፡ ሰብ ኪንትንስኡና ኸለዉ፡
3. ሓርቖቶም ኣብ ልዕሌና ኺነድድ ከሎ፡ ሽዑ ብህይወት ከሎና ምወሐጡና፡
4. ሽዑ ማያት መጥሐለና፡ ውሒዝ ብልዕሊ ነፍስና ምውሓዘ፡
5. ሽዑ ዕቡይ ማያት ብልዕሊ ነፍስና ምሐለፈ ነይሩ።
6. እቲ ንምንጫት ኣስናኖም ክንከውን ዘይወፈየና እግዚኣብሄር ይባረኽ።
7. ነፍስና ኸም ዑፍ ካብ መፈንጠራ ሃዳናይ ኣምለጠት፡ መፈንጠራ ተበትከ፡ ንሕናውን ኣምለጥና።
8. ረዲኤትና ብስም እቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ።

  Psalms (124/150)