| ← Psalms (124/150) → |
| 1. | እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይነብርሲ፡ ይበል እስራኤል፡ |
| 2. | እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይነብር፡ ሰብ ኪንትንስኡና ኸለዉ፡ |
| 3. | ሓርቖቶም ኣብ ልዕሌና ኺነድድ ከሎ፡ ሽዑ ብህይወት ከሎና ምወሐጡና፡ |
| 4. | ሽዑ ማያት መጥሐለና፡ ውሒዝ ብልዕሊ ነፍስና ምውሓዘ፡ |
| 5. | ሽዑ ዕቡይ ማያት ብልዕሊ ነፍስና ምሐለፈ ነይሩ። |
| 6. | እቲ ንምንጫት ኣስናኖም ክንከውን ዘይወፈየና እግዚኣብሄር ይባረኽ። |
| 7. | ነፍስና ኸም ዑፍ ካብ መፈንጠራ ሃዳናይ ኣምለጠት፡ መፈንጠራ ተበትከ፡ ንሕናውን ኣምለጥና። |
| 8. | ረዲኤትና ብስም እቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ። |
| ← Psalms (124/150) → |