Psalms (123/150)  

1. ኣታ ኣብ ሰማያት እትነብር፡ ኣዒንተይ ናባኻ ኤልዕል ኣሎኹ።
2. እንሆ፡ ከምቲ ኣዒንቲ ባሮት ናብ ኢድ ጐይታኦም፡ ከምቲ ኣዒንቲ ገረድ ናብ ኢድ እምቤታ ዚጥምታ፡ ከምኡውን ኣዒንትና፡ ንሱ ኽሳዕ ዚርሕርሓልና፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይጥምታ ኣለዋ።
3. ምሐረና፡ ንዕቀት ኣዚና ጸጊብና ኢና እሞ፡ ጐይታየ፡ ምሐረና።
4. ነፍስና ብላግጺ ሕንቁቓትን ብንዕቀት ዕቡያትን ኣዝያ ጸገበት።

  Psalms (123/150)