Psalms (122/150)  

1. ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኺድ፡ ምስ በሉኒ ተሐጐስኩ።
2. ዎ የሩሳሌም፡ ኣእጋርና ኣብ ደጌታትኪ ቘይመን ኣለዋ።
3. ኣቲ የሩሳሌም፡ ከም ንሓድሕዳ እተጋጠመት ከተማ ተሀነጽኪ።
4. እቶም ዓሌታት፡ ናይ እግዚኣብሄር ዓሌታት፡ ከምቲ ምስክር እስራኤል ንስም እግዚኣብሄር ኪውድሱ ናብኣ ይድይቡ።
5. ኣብኣ ዝፋናት ፍርዲ፡ ዝፋናት ቤት ዳዊት ተነቢሩ ኣሎ።
6. ንየሩሳሌም ሰላም ለምኑላ፡ እቶም ዜፍቅሩኺ ኺለምዑ እዮም።
7. ኣብ ውሽጢ መካበብያኺ ሰላም፡ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሻትኪ ኸኣ ልምዓት ይኹን።
8. ስለ ኣሕዋተይን ብጾተይን፡ ሰላም ይኹነልኪ፡ እብል።
9. ስለ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢለ፡ ሰናይኪ እደሊ ኣሎኹ።

  Psalms (122/150)