Psalms (121/150)  

1.  ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል ኣሎኹ። ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዝመጸኒ?
2.  ረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጸኒ።
3.  ንሱ ንእግርኻ ኣየሰናኽልን፡ ሓላዊኻ ኣይታኸስን።
4.  እንሆ፡ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኽስን ኣይድቅስን እዩ።
5.  እግዚኣብሄር ሓላዊኻ እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣብ የማነይቲ ኢድካ ጽላልካ እዩ።
6.  ጸሓይ ብመዓልቲ፡ ወርሒውን ብለይቲ ኣይኪወቕዓካን እዩ።
7.  እግዚኣብሄር ካብ እከይ ዘበለ ኺሕልወካ፡ ንነፍስኻ ኺሕልዋ እዩ።
8.  እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ምውጻእካን ምእታውካን ኪሕሉ እዩ።

  Psalms (121/150)