| ← Psalms (121/150) → |
| 1. | ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል ኣሎኹ። ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዝመጸኒ? |
| 2. | ረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጸኒ። |
| 3. | ንሱ ንእግርኻ ኣየሰናኽልን፡ ሓላዊኻ ኣይታኸስን። |
| 4. | እንሆ፡ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኽስን ኣይድቅስን እዩ። |
| 5. | እግዚኣብሄር ሓላዊኻ እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣብ የማነይቲ ኢድካ ጽላልካ እዩ። |
| 6. | ጸሓይ ብመዓልቲ፡ ወርሒውን ብለይቲ ኣይኪወቕዓካን እዩ። |
| 7. | እግዚኣብሄር ካብ እከይ ዘበለ ኺሕልወካ፡ ንነፍስኻ ኺሕልዋ እዩ። |
| 8. | እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ምውጻእካን ምእታውካን ኪሕሉ እዩ። |
| ← Psalms (121/150) → |