| ← Psalms (120/150) → |
| 1. | ብጸበባይ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፡ ንሱውን መለሰለይ። |
| 2. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ንነፍሰይ ካብ ሓሳዊት ከንፈር፡ ካብ ወስላታ መልሓስ ኣናግፋ። |
| 3. | ኣቲ ወስላታ መልሓስ፡ እንታይ ኪህቡኺ? እንታይሲ ኺውስኹኪ እዮም? |
| 4. | ናይ ጅግና በላሕቲ ፍላጻ፡ ምስ ጓህሪ ሰራው። |
| 5. | ወይለይ፡ ኣብ ሜሴክ እሰፍር፡ ኣብ ማእከል ድንኳናት ቄዳር እነብር ኣሎኹ። |
| 6. | ነፍሰይ ምስቶም ሰላም ዚጸልኡ፡ ብዙሕ ጊዜ ነበረት። |
| 7. | ኣነስ ሰላማዊ እየ፡ ንሳቶም ግና፡ እንተ ተዛረብኩ፡ ንውግእ ይስለፋ ኣለዉ። |
| ← Psalms (120/150) → |