Psalms (120/150)  

1. ብጸበባይ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፡ ንሱውን መለሰለይ።
2. ዎ እግዚኣብሄር፡ ንነፍሰይ ካብ ሓሳዊት ከንፈር፡ ካብ ወስላታ መልሓስ ኣናግፋ።
3. ኣቲ ወስላታ መልሓስ፡ እንታይ ኪህቡኺ? እንታይሲ ኺውስኹኪ እዮም?
4. ናይ ጅግና በላሕቲ ፍላጻ፡ ምስ ጓህሪ ሰራው።
5. ወይለይ፡ ኣብ ሜሴክ እሰፍር፡ ኣብ ማእከል ድንኳናት ቄዳር እነብር ኣሎኹ።
6. ነፍሰይ ምስቶም ሰላም ዚጸልኡ፡ ብዙሕ ጊዜ ነበረት።
7. ኣነስ ሰላማዊ እየ፡ ንሳቶም ግና፡ እንተ ተዛረብኩ፡ ንውግእ ይስለፋ ኣለዉ።

  Psalms (120/150)