| ← Psalms (12/150) → | 
| 1. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ደጊ ሰብ ተሳኢኑ፣ ካብ ማእከል ደቂ ሰብውን እሙናት ጠፊኦም እዮም እሞ፣ ኣድሕን። | 
| 2. | ነፍሲ ወከፎም ምስ ብጻዩ ሓሶት ይዛረብ፣ ብዜቃባጥር ከንፈርን ብኽልተ ልብን ይዛረቡ፣ | 
| 3. | እግዚኣብሄር ንዅላተን መቃበጠርቲ ኸናፍርን ነታ ዕቡይ ነገር እትዛረብ መልሓስን፣ ነቶም፣ ሳላ መልሓስና ንብርትዕ አሎና፣ ከናፍርና ናትና እየን፣ መን እዩኸ ጐይታና፣ ዚብሉን ኪምንቍሶም እዩ። | 
| 4. | እግዚኣብሄር ንዅላተን መቃበጠርቲ ኸናፍርን ነታ ዕቡይ ነገር እትዛረብ መልሓስን፣ ነቶም፣ ሳላ መልሓስና ንብርትዕ አሎና፣ ከናፍርና ናትና እየን፣ መን እዩኸ ጐይታና፣ ዚብሉን ኪምንቍሶም እዩ። | 
| 5. | ስለ ምግፋዕ ጥቑዓትን ስለ ልቕሶ መሳኪንን ሕጂ ኽትንስእ፣ ነቲ ዚናፍቕውን ምድሓን ከምጽኣሉ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር። | 
| 6. | ቃላት እግዚኣብሄር ጽሩይ ቃላት እዩ፣ ብመምከኽ መርየት ዝጸረየ፣ ሾብዓተ ሳዕ እተዀልዔ ብሩር እዩ። | 
| 7. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ክትሕልዎም፣ ካብዚ ወለዶ እዝስ ንዘለኣለም ክትዕቅቦም ኢኻ። | 
| 8. | ብልሽውነት ኣብ ማእከል ደቂ ሰብ ልዕል እንተ በለ፣ ረሲኣን ኣብ ኵሉ ወገን ይዞሩ። | 
| ← Psalms (12/150) → |