Psalms (119/150)  

1. ብመገዶም ፍጹማት ዝዀኑ፡
2. ምስክራቱ ዚሕልዉ፡ ብምሉእ ልቢ ዚደልይዎ ብጹኣን እዮም።
3. እከይ ኣይገብሩን፡ ብመገድታቱ ኸኣ ይመላለሱ።
4. ኣጸቢቑ ምእንቲ ኺሕሎ፡ ትእዛዛትካ ኣዘዝካ።
5. ኣየ፡ ስርዓታትካ ኽሕሉስ፡ መገደይ እንተ ዚቐንዕ።
6. ንዂሉ ትእዛዛትካ እንት ዝቋመት፡ ሽዑ ኣይምሐፈርኩን።
7. ፍርዲ ጽድቅኻ ምስ ተምሀርኩ፡ ብቕንዕና ልቢ ኸመስግነካ እየ።
8. ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ፡ ፈጺምካ ኣይትሕደገኒ።
9. ጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ? ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ።
10. ብምሉእ ልበይ እደልየካ ኣሎኹ፡ ካብ ትእዛዛትካ ኸየግልስ ኣይትሕደገኒ።
11. ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ፡ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ።
12. ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ብሩኽ ኢኻ፡ ስርዓታትካ ምሀረኒ።
13. ንዂሉ ፍርድታት ኣፍካ ብኸናፍረይ ኣዘንቶኹ።
14. ብመገዲ ምስክራትካ ኸም ብዂሉ ሃብቲ ገይረ ተሐጐስኩ።
15. ንትእዛዛትካ ኤስተንትኖ፡ ንመገድኻውን እቋመቶ ኣሎኹ።
16. ብስርዓታትካ ባህ እብል፡ ንቓልካ ኣይክርስዖን እየ።
17. ብህይወት ክነብር፡ ቃልካውን ክሕሉስ፡ ንባርያኻ ሰናይ ግበረሉ።
18. ኣብ ሕግኻ ተኣምራት ክርእስ፡ ኣዒንተይ ክፈተለይ።
19. ኣነ ኣብ ምድሪ ጋሻ እየ፡ ትእዛዛትካ ኣይትሕብኣለይ።
20. ነፍሰይ፡ ኲሉ ጊዜ ፍርድኻ ብምንፋቕ ተቐጥቀጠት።
21. ነቶም ትዕቢተኛታት፡ ነቶም ካብ ትእዛዛትካ ዜግልሱ ርጉማት ገናሕካ።
22. ምስክራት ሐልየ እየ እሞ፡ ጸርፍን ንዕቀትን ኣርሕቐለይ።
23. መሳፍንቲ ተቐሚጦም እኳ እንተ ሐመዩኒ፡ ባርያኻስ ብስርዓታትካ የስተንትን ኣሎ።
24. ምስክራትካ ድማ ባህታይን መኸርተይን እዮም።
25. ነፍሰይ ኣብ ሓመድ ተጣበቐት፡ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ።
26. መገደይ ኣዘንቶኹ፡ ንስኻውን መለስካለይ፡ ስርዓታትካ ምሀረኒ።
27. ንተኣምራትካ ኸስተንትኖስ፡ መገዲ ትእዛዛትካ ኣፍልጠኒ።
28. ነፍሰይ ብሓዘን ትነብዕ ኣላ፡ ከም ቃልካ ኣደልድለኒ።
29. መገዲ ሓሶት ኣርሕቐለይ፡ ሕግኻውን ብሳህልኻ ፍቐደለይ።
30. መገዲ ሓቂ መረጽኩ፡ ፍርድታትካ ኣብ ቅድመይ ኣንበርኩ።
31. ኣብ ምስክራትካ እጠብቕ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣይተሕፍረኒ።
32. ልበይ ምስ ኣግፋሕካ፡ ብመገዲ ትእዛዛትካ ኽጐዪ እየ።
33. ዎ እግዚኣብሄር፡ መገዲ ስርዓታትካ ምሀረኒ፡ ክሳዕ መወዳእታውን ክሕልዎ እየ።
34. ምስትውዓል ሀበኒ እሞ፡ ንሕግኻ ኽሕልዎ፡ ብምሉእ ልበይውን ክገብሮ እየ።
35. ብእኡ ባህ ኢሉኒ እዩ እሞ፡ ብመገዲ ትእዛዛትካ ኣመላልሰኒ።
36. ንልበይ ናብ ምስክራትካ እምበር፡ ናብ ስስዔ ገንዘብ ኣይተዝብሎ።
37. ነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን፡ ብመገድኻ ህያው ግበረኒ።
38. ነቲ ናብ ፍርሃትካ ዚመርሕ ቃልካ ኣብ ባርያካ ኣጽንዓዮ።
39. ፍርድታትካ ሰናይ እዩ እሞ፡ ነቲ ዝፈርሆ ጸርፊ ኣርሕቐለይ።
40. እንሆ፡ ትእዛዛትካ እናፍቕ ኣሎኹ፡ ብጽድቅኻ ህያው ግበረኒ።
41. ዎ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ቓልካ ምሕረትካን ምድሓንካን ይምጽኣኒ።
42. ኣብ ቃልካ ተወኪለ እየ እሞ፡ ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ክህቦ እየ።
43. ንፍርድታትካ እጽበ ኣሎኹ እሞ፡ ነቲ ቓል ሓቂ ኻብ ኣፈይ ፈጺምካ ኣይተግድፈኒ።
44. ኣነውን ንሕግኻ ኣዘውቲረ፡ ኲሉ ጊዜ፡ ንዘለኣለም ክሕልዎ እየ።
45. ትእዛዛትካ ድማ ደልየ እየ እሞ፡ ብገፊሕ ቦታ ኽመላለስ እየ።
46. ኣብ ቅድሚ ነገስታት ከኣ ምስክራትካ ኽዛረብ፡ ኣይክሐፍርን ድማ እየ።
47. በቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካውን ባህ ክብል እየ።
48. ኣእዳወይ ድማ ናብቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካ ኸልዕል፡ ስርዓታትካ ኸኣ ከስተንትን እየ።
49. ነቲ ንባርያኻ ዘተስፎኻዮ ቓል ዘክር።
50. ቃልካ ህያው ገይሩኒ እዩ እሞ፡ እዚ ኣብ መከራይ መጸናንዕየይ እዩ።
51. ትዕቢተኛታት ኣዝዮም ኣላገጹለይ፡ ኣነ ግና ካብ ሕግኻ ኣየግለስኩን።
52. ጐይታየ፡ ናይ ጥንቲ ፍርድታትካ እናሐሰብኩ፡ እጸናናዕ ኣሎኹ።
53. ብሰሪ እቶም ሕግኻ ዝሐደጉ ረሲኣን ብቚጥዓ ተቓጸልኩ።
54. ኣብ ቤት ግሽነተይ ስርዓታትካ መዝሙራተይ እዩ።
55. ዎ እግዚኣብሄር፡ ብለይቲ ስምካ ሐሰብኩ፡ ሕግኻውን ሐሎኹ።
56. ትእዛዛትካ ሐልየ እየ እሞ፡ እዚ ዕድለይ ኰነ።
57. ጐይታየ፡ ምሕላው ቃልካ ግደይ እዩ፡ በልኩ።
58. ብምሉእ ልበይ ኣባኻ እምህለል ኣሎኹ፡ ከም ቃልካ ምሐረኒ።
59. ንመገደይ ሐሰብኩ፡ ኣእጋረይውን ናብ ምስክራትካ መለስኩ።
60. ትእዛዛትካ ንምሕላው ቀልጠፍኩ እምበር፡ ኣይደንጔኹን።
61. ኣግማድ ረሲኣን ከበበኒ፡ ሕግኻ ግና ኣይረሳዕኩን።
62. ስለቲ ጻድቕ ፍርድኻ ኸመስግነካ፡ ፍርቂ ለይቲ ኽትንስእ እየ።
63. ኣነ ብጻይ እቶም ዚፈርሁኻ ዂሎምን ትእዛዛትካ ዚሕልዉን እየ።
64. ጐይታየ፡ ምድሪ ብጸጋኻ መሊኣ ኣላ፡ ስርዓታትካ ምሀረኒ።
65. ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ቃልካ ንባርያኻ ሰናይ ገበርካሉ።
66. ትእዛዛትካ ኣሚነ ኣሎኹ እሞ፡ ሰናይ ምስትውዓልን ፍልጠትን ምሀረኒ።
67. ከይተዋረድኩ ተጋጌኹ፡ ሕጂ ግና ቓልካ እሕሉ ኣሎኹ።
68. ንስኻ ሰናይ ኢኻ እሞ፡ ሰናይ ትገብር ኣሎኻ፡ ስርዓትካ ምሀረኒ።
69. ትዕቢተኛታት ሓሶት ይፍሕሱለይ ኣለዉ፡ ኣነ ግና ብምሉእ ልበይ ትእዛዛትካ እሕሉ ኣሎኹ።
70. ልቦም ከም ስብሒ ረጐደ፡ ኣነ ግና ብሕግኻ ባህ እብል ኣሎኹ።
71. ስርዓታትካ ምእንቲ ኽምሀር፡ ውርደተይ ሰናይ ኰነለይ።
72. ካብ ኣእላፋት ወርቅን ብሩርንሲ ሕጊ ኣፍካ ይሔሸኒ።
73. ኣእዳውካ ገበራንን ሰርሓንን፡ ትእዛዛትካ ኽምሀርሲ፡ ኣለብመኒ።
74. ንቓልካ ተጸብየ እየ እሞ፡ እቶም ዚፈርሁኻ ርእዮምኒ ኺሕጐሱ ኣዮም፡
75. ጐይታየ፡ ፍርድኻ ጽድቂ ምዃኑ፡ ብሓቅኻውን ከም ዘዋረድካኒ፡ እፈልጥ ኣሎኹ።
76. ከምቲ ንባርያኻ ዝበልካዮ ቓል፡ ጸጋኻ መጸናንዒ ይኹነኒ።
77. ሕግኻ ደስታይ እዩ እሞ፡ ብህይወት ክነብርሲ፡ ምሕረትካ ይውረደኒ።
78. ዕቡያት ብሓሶት ጠውዮምኒ እዮም እሞ፡ ይሕፈሩ፡ ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኤስተንትን ኣሎኹ።
79. እቶም ዚፈርሁኻን ምስክራትካ ዚፈልጡን ናባይ ይመለሱ።
80. ምእንቲ ኸይሐፍርሲ፡ ልበይ ብስርዓታትካ ፍጹም ይኹን።
81. ነፍሰይ ንምድሓንካ ትናፍቖ ኣላ፡ ንቓልካ እጽበዮ ኣሎኹ።
82. መኣዝ ኢኻ እተጸናንዓኒ? እናበልኩ፡ ብናፍቖት ቃልካ ኣዒንተይ ሐመቓ።
83. ከም ኣብ ትኪ ዘሎ ሓርቢ ዀንኩ፡ ስርዓታትካ ግና ኣይረሳዕኩን።
84. መዓልትታት ባርያኻ ኽንደይ እየን? ንሰጐጒተይከ መኣዝ ኢኻ እትፈርዶም?
85. እቶም ከም ሕግኻ ዘይነበሩ ትዕቢተኛታት ጒድጓድ ኰዐቱለይ።
86. ኲሉ ትእዛዛትካ ሓቂ እዩ፡ ብዘይ ምኽንያት ይሰጉኒ ኣለዉ፡ ርድኣኒ።
87. ካብ ምድሪ ኼጥፍኡኒ ቕሩብ ተረፎም፡ ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኣይሐደግኩን።
88. ከም ጸጋኻ ህያው ግበረኒ፡ ኣነውን ምስክር ኣፍካ ኽሕሉ እየ።
89. ዎ እግዚኣብሄር፡ ቃልካ ንዘለኣለም ኣብ ሰማይ ጸኒዑ ኣሎ።
90. ሓቅኻ ኻብ ወለዶ ንወለዶ እዩ፡ ንምድሪ ኣጽኒዕካያ፡ ንሳውን ትነብር ኣላ።
91. ብዘሎ ዂሉ ንኣኻ የገልግል እዩ እሞ፡ ክሳዕ ሎሚ ኸም ሕጋጋትካ ቘይሙ ኣሎ።
92. ሕግኻ ደስታይ እንተ ዘይነብርሲ፡ ዛጊት ብመከራይ ምጠፋእኩ ነይረ።
93. ብእኡ ህያው ጌርካኒ ኢኻ እሞ፡ ንትእዛዛትካ ከቶ ኣይክርስዖን እየ።
94. ትእዛዛትካ ደልየ እየ እሞ፡ ናትካ እየ፡ ኣድሕነኒ።
95. ረሲኣን፡ ምእንቲ ኼጥፍኡኒ፡ ይጸናተዉኒ ኣለዉ፡ ኣነ ግና ንምስክራትካ ኤስተብህሎ ኣሎኹ።
96. ኲሉ ፍጽምነት መወዳእታኡ ርኤኹ፡ ትእዛዝካ ግና ኣዝዩ ርሒብ እዩ።
97. ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ፡ ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ ኣሎኹ።
98. ትእዛዛትካ ንሓዋሩ ምሳይ እዩ እሞ፡ ሓለፋ ጸላእተይ ኣለበመኒ።
99. ምስክራትካ ምስትንታነይ እዩ እሞ፡ ሓለፋ ዂሎም መምህራነይ ለባም ኰንኩ።
100. ትእዛዛትካ ሐልየ እየ እሞ፡ ሓለፋ እቶም ሽማግሌታት ኣእምሮ ኣሎኒ።
101. ቃልካ ምእንቲ ኽሕሉስ፡ ኣእጋረይ ካብ ክፉእ ዘበለ መገዲ ኸልከልኩ።
102. ንስኻ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፡ ካብ ፍርድኻ ኣይርሕቕን እየ።
103. ቃላትካ ንትንሓገይ እምብዛ ጥዑም እዩ፡ ንኣፈይ ካብ መዓር ዝበለጸ ይምቅር።
104. ሳላ ትእዛዛትካ ኣእምሮ ረኸብኩ፡ ስለዚ ዂሉ መገዲ ሓሶት ጸላእኩ።
105. ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ ንመገደይ ብርሃን እዩ።
106. ንፍርድታት ጽድቅኻ ኽሕሉ መሐልኩ፡ ኣጽናዕክዎ ኸኣ።
107. ኣዝየ ተጨነቕኩ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ።
108. ዎ እግዚኣብሄር፡ ፍርድታትካ ምሀረኒ፡ እቲ ፈትየ ዘቕርበልካ መስዋእቲ ኣፈይ ባህ የብልካ።
109. ነፍሰይ ኲሉ ጊዜ ኣብ ኢደይ እያ፡ ኣነ ግና ሕግኻ ኣይርስዕን እየ።
110. ረሲኣን መፈንጠርያ ኣጻወዱለይ፡ ኣነ ግና ካብ ትእዛዛትካ ኣየግለስኩን።
111. ምስክራትካ ሓጐስ ልበይ እዩ እሞ፡ ንዘለኣለም ርስተይ ገበርክዎ።
112. ስርዓታትካ ንሓዋሩ ኽሳዕ መወዳእታ ኽገብር፡ ልበይ ኣድነንኩ።
113. ክልተ ዝልቦም ጸላእኩ፡ ሕግኻ ግና ፈቶኹ።
114. ንስኻ መዕቈብየይን ዋልታይን ኢኻ፡ ብቓልካ ተስፋ እገብር ኣሎኹ።
115. ትእዛዛት ኣምላኸይ ክሕሉስ፡ ኣቱም ሕሱማት፡ ካባይ ርሐቑ።
116. ብህይወት ክነብርሲ፡ ከም ቃልካ ደግፈኒ፡ ብተስፋይ ድማ ኣይተሕፍረኒ።
117. ምእንቲ ኽድሕን ደግፈኒ፡ ንስርዓታትካውን ኲሉ ጊዜ ኽቋመቶ እየ።
118. ተንኰሎም ሓሶት እዩ እሞ፡ ነቶም ካብ ስርዓታተካ ዜግልሱ ዂሎም ትረግጾም።
119. ንስኻ ንዂሎም ረሲኣን ምድሪ ኸም ሓርኢ ሓጺን ትጒሕፎም፡ ስለዚ ንምስክራትካ ኣፍቀርኩ።
120. ካብ ስምባድካ እተላዕለ ስጋይ ይርዕድ፡ ፍርድኻውን የሸብረኒ ኣሎ።
121. ፍርድን ጽድቅን እገብር ኣሎኹ፡ ነቶም ጠቓዕተይ ኣሕሊፍካ ኣይትሀበኒ።
122. ንባርያኻ ብሰናይ ተውሐሶ፡ ዕቡያት ኪጠቕዑኒ ኣይትፍቀደሎም።
123. ኣዒንተይ ብናፍቖት ምድሓንካን ቃል ጽድቅኻን ሐመቓ።
124. ከም ጸጋኻ ንባርያኻ ግበረሉ፡ ስርዓታትካ ኸኣ ምሀረኒ።
125. ኣነ ባርያኻ እየ፡ ምስክራትካ ኽፈልጥሲ፡ ኣእምሮ ሀበኒ።
126. ሕግኻ ኣፍሪሶም እዮም እሞ፡ እግዚኣብሄር ግብሩ ዚገብረሉ ጊዜ እዮ።
127. ስለዚ ንትእዛዛትካ ኻብ ወርቂ፡ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኣብሊጸ እፈትዎ ኣሎኹ።
128. ስለዚ ትእዛዛትካ ዘበለ ዂሉ ቕኑዕ ምዃኑ እቘጽሮ፡ መገዲ ሓሶት ዘበለ ኸኣ እጸልኦ ኣሎኹ።
129. ምስክራትካ መስተንክር እዩ፡ ስለዚ ነፍሰይ ትሕልዎ።
130. ምኽፋት ቃልካ የብርህ፡ ንገርህታት ኣእምሮ ይህብ።
131. ትእዛዛትካ ናፊቐ እየ እሞ፡ ኣፈይ ሃህ ኣቢለ እህህ እብል ኣሎኹ።
132. ከምቲ ነቶም ስምካ ዚፈትዉ እትገብረሎም፡ ተመለሰንን ምሐረንን።
133. ንስጒምተይ ኣብ ቃልካ ኣጽንዓዮ፡ እከይ ድማ ከቶ ኣይምለኸኒ።
134. ካብ መጥቃዕቲ ሰብ ተበጀወኒ፡ ኣነውን ትእዛዛትካ ኽሕሉ እየ።
135. ገጽካ ንባርያካ ኣብርሃሉ፡ ስርዓታትካ ኸኣ ምሀረኒ።
136. ሕግኻ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፡ ኣዒንተይ ወሓዚ ማይ የፍስሳ ኣለዋ።
137. ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ጻድቕ ኢኻ፡ ፍርድኻ ድማ ቅኑዕ እዩ።
138. ብጽድቅን ብዕዙዝ ሓቅን ምስክራትካ ኣዘዝካ።
139. ተጻረርተይ ቃልካ ረሲዖም እዮም እሞ፡ ቅንኣተይ ይበልዓኒ ኣሎ።
140. ቃልካ ኣዝዩ ጽሩይ እዩ፡ ባርያኻውን የፍቅሮ ኣሎ።
141. ኣነ፡ ንኡስን ንዑቕን እየ፡ ትእዛዛትካ ግና ኣይረሳዕኩን።
142. ጽድቅኻ ናይ ዘለኣለም ጽድቂ እዩ፡ ሕግኻውን ሓቂ እዩ።
143. መከራን ሽጋርን ረኸበኒ፡ ትእዛዛትካ ግና ደስታይ እዩ።
144. ምስክራትካ ንዘለኣለም ጽድቂ እዩ፡ ኣእምሮ ሀበኒ እሞ፡ ብህይወት ክነብር እየ።
145. ብምሉእ ልበይ እምህለል ኣሎኹ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ምለሰለይ፡ ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ።
146. ናባኻ ተማህለልኩ፡ ኣድሕነኒ፡ ምስክራትካውን ክሕሉ እየ።
147. ቅድሚ ወጋሕታ መጺኤ ኣእዌኹ፡ ንቓልካ እጽበ እኔኹ።
148. ንቓልካ ኼስተንትንሲ፡ ኣዒንተይ ነቶም ናይ ለይቲ ሓለውቲ ቐደማኦም።
149. ከም ሳህልኻ ድምጸይ ስማዕ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ፍርድኻ ህያው ግበረኒ።
150. ንሕሰም ዚስዕቡ ይቐርቡ ኣለዉ፡ ካብ ሕግኻ ረሐቑ።
151. ዎ እግዚኣብሄር፡ ቀረባ ኢኻ፡ ኲሉ ትእዛዛትካ ኸኣ ሓቂ እዩ።
152. ንዘለኣለም ከም ዝመስረትካዮ፡ ካብ ጥንቲ ጀሚረ ብምስክራትካ ፈለጥኩ።
153. ሕግኻ ኣይረሳዕኩን እሞ፡ መከራይ ርኢኻ ኣናግፈኒ።
154. ጠበቓይ ኩን እሞ ተበጀወኒ፡ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ።
155. ረሲኣን ስርዓታትካ ኣይደልዩን እዮም እሞ፡ ምድሓንካ ኻብኦም ረሐቐ።
156. ዎ እግዚኣብሄር፡ ርሕራሔኻ ዓብዪ እዩ፡ ከም ፍርድኻ ህያው ግበረኒ።
157. ሰጐጒተይን ተጻረርተይን ብዙሓት እዮም፡ ኣነ ኻብ ምስክራትካ ኣየግለስኩን።
158. ቃልካ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፡ ንጠለምቲ ርእየ ፈንፈንክዎም።
159. ዎ እግዚኣብሄር፡ ንትእዛዛትካ ኸም ዘፍቅሮ ርኤ፡ ከም ሳህልኻ ህያው ግበረኒ።
160. ብዘሎ ቓልካ ሓቂ እዩ፡ ኲሉ ፍርዲ ጽድቅኻ ድማ ንዘለኣለም ይነብር።
161. መሳፍንቲ ብዘይ ምኽንያት ሰጐጉኒ፡ ልበይ ግና ቃልካ እዩ ዚፈርህ።
162. ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝማረኸ፡ ብቓልካ ባህ ይብለኒ ኣሎ።
163. ንሓሶት እጸልኦን እፍንፍኖን፡ ንሕግኻ ግና ኤፍቅሮ ኣሎኹ።
164. ስለ ጽድቂ ፍርድኻ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ኤመስግነካ ኣሎኹ።
165. እቶም ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም፡ ዜዐንቅፎም ከኣ የልቦን።
166. ዎ እግዚኣብሄር፡ ንምድሓንካ ተጸቤኽዎ፡ ትእዛዛትካ ድማ ገበርኩ።
167. ነፍሰይ ንምስክራትካ ሐለወቶ፡ ኣዝየውን ኤፍቅሮ ኣሎኹ።
168. ኲሉ መገደይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ እሞ፡ ትእዛዛትካን ምስክራትካን ሐሎኹ።
169. ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣውያተይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፡ ከም ቃልካ ኣእምሮ ሀበኒ።
170. ምህለላይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፡ ከም ቃልካ ኣናግፈኒ።
171. ስርዓታትካ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፡ ከናፍረይ ምስጋናኻ ኼፈልፍላ እየን።
172. ኲሉ ትእዛዛትካ ጽድቂ እዩ እሞ፡ ልሳነይ ንቓልካ ኽትነግር እያ።
173. ትእዛዛትካ ሐርየ እየ እሞ፡ ኢድካ ረዳኢተይ ትኹን።
174. ጐይታየ፡ ምድሓንካ እናፍቕ ኣሎኹ፡ ሕግኻውን ደስታይ እዩ።
175. ንነፍሰይ ህያው ግበራ፡ ንሳ ኸኣ ከተመስግነካ እያ፡ ፍርድታትካውን ይርዳኣኒ።
176.  ከም ጥፍእቲ በጊዕ ተባረርኩ፡ ትእዛዛትካ ኣይረሳዕኩን እሞ፡ ንባርያኻ ድለዩ።

  Psalms (119/150)