| ← Psalms (118/150) → |
| 1. | እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ |
| 2. | ምሕረቱ ንዘለኣለም ከም ዚነብር፡ እስራኤል ይበል። |
| 3. | ምሕረቱ ንዘለኣለም ከም ዚነብር፡ ቤት ኣሮን ይበል። |
| 4. | ምሕረቱ ንዘለኣለም ከም ዚነብር፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርህዎ ይበሉ። |
| 5. | ኣብ ጸበባይ ንእግዚኣብሄር ጸዋዕኩ፡ እግዚኣብሄር መለሰለይ ኣርሐበለይ ድማ። |
| 6. | እግዚኣብሄር ምሳይ እዩ፡ ኣይፈርህን፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ? |
| 7. | እግዚኣብሄር ምሳይ እዩ፡ ረዳእየይ እዩ፡ ኣብ ጸላእተይ ትምኒተይ ክርኢ እየ። |
| 8. | ካብ ኣብ ሰብ ምውካልሲ ኣብ እግዚኣብሄር ምዕቋብ ይሐይስ። |
| 9. | ካብ ኣብ መሳፍንቲ ምውካልሲ ኣብ እግዚኣብሄር ምዕቋብ ይሐይስ። |
| 10. | ኲሎም ኣህዛብ ከበቡኒ፡ ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ። |
| 11. | ከበቡኒ፡ እወ ኸበቡኒ፡ ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ። |
| 12. | ከም ንህቢ ኸበቡኒ፡ ከም ሓቂ ቘጥቋጥ ጠፍኡ፡ ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ። |
| 13. | ከተውድቐኒ ኢልካ ደፋእካኒ፡ እግዚኣብሄር ግና ረድኣኒ። |
| 14. | ሓይለይን መዝሙረይን እግዚኣብሄር እዩ፡ ንሱውን ምድሓነይ ኰነ። |
| 15. | ኣብ ድንኳናት ጻድቃን ድምጺ እልልታን ምድሓንን ኣሎ፡ የማነይቲ ኢድ እግዚኣብሄር ሓይሊ ትገብር። |
| 16. | የማነይቲ እግዚኣብሄር ልዕል ትብል፡ የማነይቲ እግዚኣብሄር ሓይሊ ይገብር ኣላ። |
| 17. | ብህይወት ክነብር እየ እምበር፡ ኣይክመውትን፡ ግብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ከዘንቱ እየ። |
| 18. | እግዚኣብሄር ኣዝዩ ቐጽዓኒ፡ ንሞት ግና ኣይወፈየንን። |
| 19. | ብእኤን ኣትየ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖስ፡ ደጌታት ጽድቂ ኽፈቱለይ። |
| 20. | ደገ እግዚኣብሄር እዚኣ እያ፡ ጻድቃን ብእኣ ኺኣትዉ እዮም። |
| 21. | ሰሚዕካኒ ምድሓነይውን ኴንካ ኢኻ እሞ፡ ከመስግነካ እየ። |
| 22. | ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ። |
| 23. | እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፡ ነዒንትናውን ግሩም እዩ። |
| 24. | እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፡ ብእኣ ንተሐጐስን ባህ ይበለናን። |
| 25. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣሰልጥን ኰታ። |
| 26. | እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣሎና። |
| 27. | እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ እዩ፡ ንሱውን ኣብረሀልና፡ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ። |
| 28. | ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፡ ኤመስግነካ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ ልዕል ኤብለካ ኣሎኹ። |
| 29. | እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ኣመስግንዎ። |
| ← Psalms (118/150) → |