| ← Psalms (116/150) → |
| 1. | ድምጸይን ምህለላይን ሰሚዑ እዩ እሞ፡ |
| 2. | እዝኑ ናባይ ኣድኒኑ እዩ እሞ፡ ኲለን መዓልትታተይ ናብኡ ኽምህለል እየ። |
| 3. | መኣሰር ሞት ከበበኒ፡ ጸበባ ሲኦል ሐዘኒ፡ ጭንቀትን መከራን ረኸብኩ። |
| 4. | ሽዑ ኣነ፡ ዎ ጐይታይ፡ ንነፍሰይ ኣድሕና፡ ኢለ ስም እግዚኣብሄር ጸዋዕኩ። |
| 5. | እግዚኣብሄር ርሕሩሕን ጻድቕን እዩ፡ ኣምላኽና ኸኣ መሓሪ እይ። |
| 6. | እግዚኣብሄር ንገርህታት ይሕልዎም፡ ኣነ ተሸገርኩ፡ ንሱውን ኣድሐነኒ። |
| 7. | ነፍሰየ፡ እግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩልኪ እዩ እሞ፡ ናብ ዕረፍትኺ ተመለሲ። |
| 8. | ንነፍሰይ ካብ ሞት፡ ነዒንተይ ካብ ንብዓት፡ ነእጋረይ ካብ ምውዳቕ ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፡ |
| 9. | ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ህያዋን ክመላለስ እየ። |
| 10. | ኣመንኩ፡ ስለዚ ተዛረብኩ፡ ኣዝየ ተጨኒቐ ነበርኩ። |
| 11. | ኣነ ብስምባደይ፡ ኲሉ ሰብ ሓሳዊ እዩ፡ በልኩ። |
| 12. | ኣብ ክንዲ እቲ ሰናይ ዝገበረልይ ኲሉስ፡ ንእግዚኣብሄር እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ? |
| 13. | ጽዋእ ምድሓን ክወስድ፡ ስም እግዚኣብሄር ድማ ክጽውዕ እየ። |
| 14. | ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዂሉ ህዝቡ መብጽዓይ ክፍጽም እየ። |
| 15. | ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ። |
| 16. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣነ ባርያኻ እየ፡ ባርያኻ፡ ወዲ እታ ባርያኻ እየ፡ መኣሰረይ ፈታሕካ። |
| 17. | መስዋእቲ ምስጋና ኽስውኣልካ፡ ስም እግዚኣብሄር ከኣ ክጽውዕ እየ። |
| 18. | ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዂሉ ህዝቡ፡ ኣብ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ማእከልኪ፡ ዎ የሩሳሌም፡ መብጽዓይ ክፍጽም እየ። |
| 19. | ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዂሉ ህዝቡ፡ ኣብ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ማእከልኪ፡ ዎ የሩሳሌም፡ መብጽዓይ ክፍጽም እየ። |
| ← Psalms (116/150) → |