| ← Psalms (115/150) → |
| 1. | ንኣና ኣይኰነን፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንኣና ኣይኰነን፡ |
| 2. | ስለምንታይ ኣህዛብ፡ ኣበይ ደኣ ኣሎ ኣምላኾም፡ ዚብሉና? |
| 3. | ኣምላኽና ኣብ ሰማያት ኣሎ፡ ዝደለዮ ዂሉ ይገብር እዩ። |
| 4. | ጣኦታቶም ኢድ ሰብ ዝገበሮም ብሩርን ወርቅን እዩ። |
| 5. | ኣፍ ኣለዎም፡ ኣይዛረቡን፡ ኣዒንቲ ኣለዎም፡ ኣይርእዩን፡ |
| 6. | እዝኒ ኣለዎም፡ ኣይሰምዑን፡ ኣፍንጫ ኣለዎም፡ ኣየጨንዉን፡ |
| 7. | ኢድ ኣለዎም፡ ኣይድህስሱን፡ እግሪ ኣለዎም፡ ኣይከዱን፡ ብጐረሮኦም ድማ ገለ እኳ ኣየድምጹን። |
| 8. | እቶም ዚገብርዎምን ኣብኦም ዚውከሉን፡ ኵሎም ከምኣቶም ኪዀኑ እዮም። |
| 9. | ኣታ እስራኤል፡ ኣብ እግዚኣብሄር ተወከል፡ ንሱ ረዲኤቶምን ዋልታኦምን እዩ። |
| 10. | ኣቱም ቤት ኣሮን፡ ኣብ እግዚኣብሄር ተወከሉ፡ ንሱ ረዲኤቶምን ዋልታኦምን እዩ። |
| 11. | ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርህዎ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ተወከሉ፡ ንሱ ረዲኤቶምን ዋልታኦምን እዩ። |
| 12. | እግዚኣብሄር ዘከረና፡ ንሱ ኺባርኽ፡ ንቤት እስራኤል ኪባርኽ፡ ንቤት ኣሮን ኪባርኻ እዩ። |
| 13. | ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ፡ ናእሽቱን ዓበይትን፡ ኪባርኾም እዩ። |
| 14. | ንኣኹም ንውሉድኩምን እግዚኣብሄር የብዝሕኩም። |
| 15. | በቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እተባረኽኩም ኢኹም። |
| 16. | ሰማያትሲ ናይ እግዚኣብሄር ሰማያት እዮም፡ ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሀቦም። |
| 17. | ምዉታትን ናብ ስቕ ምባል ዝወረዱ ዂሎምን ንእግዚኣብሄር ኣየመስግንዎን እዮም። |
| 18. | ንሕና ግና ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ንእግዚኣብሄር ከነመስግኖ ኢና። |
| ← Psalms (115/150) → |