| ← Psalms (114/150) → |
| 1. | እስራኤል ካብ ግብጺ፡ |
| 2. | ይሁዳ መቕደሱ፡ እስራኤል ግዝኣቱ ዀነ። |
| 3. | ባሕሪ ርእያቶ ሀደመት። ዮርዳኖስ ንድሕሪት ተመልሰ። |
| 4. | ኣኽራን ከም ደዓውል፡ ኰረቢት ከም ዕያውቲ ተሰራሰሩ። |
| 5. | ኣቲ ባሕሪ፡ እንታይ ኴንኪ ዝሀደምኪ፡ ኣቲ ዮርዳኖስከ፡ ንድሕሪት እተመለስኪ? |
| 6. | ኣቱም ኣኽራን፡ ከም ደዓውል፡ ኣቱም ኰረቢትሲ፡ ከም ዕያውቲ እተሰራሰርኩም፡ እንታይ ኴንኩም ኢኹም? |
| 7. | ኣቲ ምድሪ፡ ኣብ ቅድሚ ነኻውሕ ናብ ቀላያት፡ ንዓረ ናብ ዓይኒ ማያት ዝለወጠ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ያእቆብ ኣንቀጥቅጢ። |
| 8. | ኣቲ ምድሪ፡ ኣብ ቅድሚ ነኻውሕ ናብ ቀላያት፡ ንዓረ ናብ ዓይኒ ማያት ዝለወጠ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ያእቆብ ኣንቀጥቅጢ። |
| ← Psalms (114/150) → |