Psalms (113/150)  

1. ሃሌሉያ። ንስም እግዚኣብሄር ኣመስግኑ።
2. ስም እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ይባረኽ።
3. ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ስም እግዚኣብሄር ይመስገን።
4. እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ፡ ክብሩ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት እዩ።
5. ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጠ፡ ናብ ሰማይን ናብ ምድርን ኣንቈልቊሊ ዚጥምት፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚመስል መን እዩ?
6. ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጠ፡ ናብ ሰማይን ናብ ምድርን ኣንቈልቊሊ ዚጥምት፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚመስል መን እዩ?
7. ምስ መሳፍንቲ፡ ምስቶም መሳፍንቲ ህዝቡ ኬቐምጦስ፡ ንመስኪን ካብ ሓመድ የተንስኦ፡ ንድኻውን ካብ ድዂዒ የልዕሎ።
8. ምስ መሳፍንቲ፡ ምስቶም መሳፍንቲ ህዝቡ ኬቐምጦስ፡ ንመስኪን ካብ ሓመድ የተንስኦ፡ ንድኻውን ካብ ድዂዒ የልዕሎ።
9. ንመኻን፡ ኣደ ቘልዑ ገይሩ፡ ኣብ ቤት ብሓጐስ የንብራ።

  Psalms (113/150)