| ← Psalms (113/150) → |
| 1. | ሃሌሉያ። ንስም እግዚኣብሄር ኣመስግኑ። |
| 2. | ስም እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ይባረኽ። |
| 3. | ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ስም እግዚኣብሄር ይመስገን። |
| 4. | እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ፡ ክብሩ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት እዩ። |
| 5. | ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጠ፡ ናብ ሰማይን ናብ ምድርን ኣንቈልቊሊ ዚጥምት፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚመስል መን እዩ? |
| 6. | ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጠ፡ ናብ ሰማይን ናብ ምድርን ኣንቈልቊሊ ዚጥምት፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚመስል መን እዩ? |
| 7. | ምስ መሳፍንቲ፡ ምስቶም መሳፍንቲ ህዝቡ ኬቐምጦስ፡ ንመስኪን ካብ ሓመድ የተንስኦ፡ ንድኻውን ካብ ድዂዒ የልዕሎ። |
| 8. | ምስ መሳፍንቲ፡ ምስቶም መሳፍንቲ ህዝቡ ኬቐምጦስ፡ ንመስኪን ካብ ሓመድ የተንስኦ፡ ንድኻውን ካብ ድዂዒ የልዕሎ። |
| 9. | ንመኻን፡ ኣደ ቘልዑ ገይሩ፡ ኣብ ቤት ብሓጐስ የንብራ። |
| ← Psalms (113/150) → |