Psalms (112/150)  

1.  ሃሌሉያ። ብትእዛዛቱ ኣዝዩ ባህ ዚብሎ ሰብ ብጹእ እዩ።
2.  ዘርኡ ኣብ ምድሪ ኺስልጥን፡ ወለዶ ቕኑዓት ኪባረኽ እዩ።
3.  ሃብትን ጽጋብን ኣብ ቤቱ እዩ፡ ጽድቁውን ንዘለኣለም ይነብር።
4.  ንቕኑዓት፡ ነቲ መሓርን ርሕሩሕን ጻድቕን፡ ኣብ ጸልማት ብርሃን ይወጸሎም።
5.  ዚርሕርሕን ዜለቅሕን ሰብ ብጹእ እዩ። ንሱ ንነገሩ ብፍርዲ ይፍጽሞ።
6.  ንዘለኣለም ኣይኪናወጽን እዩ እሞ፡ መዘከርታ ጻድቕ ንዘለኣለም ይነብር።
7.  ክፉእ ወረ ኣይፈርህን፡ ልቡ ብእግዚኣብሄር ተወኪሉ ይጸንዕ።
8.  ልቡ ጽኑዕ እዩ፡ ትምኒቱ ኣብ ተጻረርቱ ኽሳዕ ዚርኢ ኣይፈርህን።
9.  ዘረወ፡ ንድኻታት ሀበ፡ ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር፡ ቀርኑ ብኽብሪ ልዕል ኪብል እዩ።
10.  ረሲእ ነዚ ርእዩ ኺሐርቕ፡ ኣስናኑ ኺሕርቅምን ኪማስንን፡ ትምኒት ረሲኣን ኪጠፍእ እዩ።

  Psalms (112/150)