Psalms (111/150)  

1. ሃሌሉያ። ብምሉእ ልበይ ኤመስግኖ ኣሎኹ።
2. ግብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፡ እቶም ብእኡ ዚሕጐሱ ዂሎም ይምርምርዎ እዮም።
3. ግብሩ ኽብርን ግርማን እዩ፡ ጽድቁ ኸኣ ንዘለኣለም ይነብር።
4. ንተኣምራቱ መዘከርታ ገበሮ፡ እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን እዩ።
5. ንዚፈርህዎ ምግቢ ይህቦም፡ ኪዳኑ ንዘለኣለም ይዝክር።
6. ርስቲ ኣህዛብ ብምሃቡ ሓይሊ ግብሩ ንህዝቡ ኣርኣዮ።
7. ግብሪ ኣእዳዉ ሓቅን ፍርድን እዩ፡ ትእዛዙ ዂሉ ጽኑዕ እዩ።
8. ንዘለኣለም ኣለም ጽኑዕ፡ ብሓቅን ብቕንዕናን እተገብረ እዩ።
9. ንህዝቡ በጃ ሰደደሎም፡ ኪዳኑ ንዘለኣለም ኣዘዘ፡ ስሙ ቅዱስን ዜፍርህን እዩ።
10. ፍርሃት እግዚኣብሄር መጀመርያ ጥበብ እዩ፡ ዚገብርዎ ዂሎም ሰናይ ልቦና ኣለዎም። ምስጋናኡ ንዘለኣለም ይነብር።

  Psalms (111/150)