| ← Psalms (111/150) → |
| 1. | ሃሌሉያ። ብምሉእ ልበይ ኤመስግኖ ኣሎኹ። |
| 2. | ግብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፡ እቶም ብእኡ ዚሕጐሱ ዂሎም ይምርምርዎ እዮም። |
| 3. | ግብሩ ኽብርን ግርማን እዩ፡ ጽድቁ ኸኣ ንዘለኣለም ይነብር። |
| 4. | ንተኣምራቱ መዘከርታ ገበሮ፡ እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን እዩ። |
| 5. | ንዚፈርህዎ ምግቢ ይህቦም፡ ኪዳኑ ንዘለኣለም ይዝክር። |
| 6. | ርስቲ ኣህዛብ ብምሃቡ ሓይሊ ግብሩ ንህዝቡ ኣርኣዮ። |
| 7. | ግብሪ ኣእዳዉ ሓቅን ፍርድን እዩ፡ ትእዛዙ ዂሉ ጽኑዕ እዩ። |
| 8. | ንዘለኣለም ኣለም ጽኑዕ፡ ብሓቅን ብቕንዕናን እተገብረ እዩ። |
| 9. | ንህዝቡ በጃ ሰደደሎም፡ ኪዳኑ ንዘለኣለም ኣዘዘ፡ ስሙ ቅዱስን ዜፍርህን እዩ። |
| 10. | ፍርሃት እግዚኣብሄር መጀመርያ ጥበብ እዩ፡ ዚገብርዎ ዂሎም ሰናይ ልቦና ኣለዎም። ምስጋናኡ ንዘለኣለም ይነብር። |
| ← Psalms (111/150) → |