| ← Psalms (110/150) → |
| 1. | ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ። |
| 2. | እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን በትሪ ስልጣንካ ኺልእኽ እዩ፡ ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ግዛእ። |
| 3. | በታ ሰራዊትካ እተኽትተላ መዓልቲ ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ፡ ከምቲ ኻብ ከርሲ ወጋሕታ ዚመጽእ ኣውሊ ከምኡ መንእሰይከ ብልብሲ ቕድስና ይመጹኻ። |
| 4. | እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ መሐለ ኣይጠዐስን ከኣ። |
| 5. | እግዚኣብሄር ኣብ የማንካ ዀይኑ፡ ብመዓልቲ ቚጥዓኡ ንነገስታት ኪጭፍልቖም፡ |
| 6. | ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኪፈርድ፡ ብሬሳታት ኪመልኦ፡ ርእሲ ርሒብ ሃገር ኪጭፍልቕ። |
| 7. | ኣብ መገዲ ኻብ ወሓዚ ኺሰቲ፡ ስለዚ ርእሱ ልዕል ኬብል እዩ። |
| ← Psalms (110/150) → |