Psalms (110/150)  

1. ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ።
2. እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን በትሪ ስልጣንካ ኺልእኽ እዩ፡ ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ግዛእ።
3. በታ ሰራዊትካ እተኽትተላ መዓልቲ ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ፡ ከምቲ ኻብ ከርሲ ወጋሕታ ዚመጽእ ኣውሊ ከምኡ መንእሰይከ ብልብሲ ቕድስና ይመጹኻ።
4. እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ መሐለ ኣይጠዐስን ከኣ።
5. እግዚኣብሄር ኣብ የማንካ ዀይኑ፡ ብመዓልቲ ቚጥዓኡ ንነገስታት ኪጭፍልቖም፡
6. ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኪፈርድ፡ ብሬሳታት ኪመልኦ፡ ርእሲ ርሒብ ሃገር ኪጭፍልቕ።
7. ኣብ መገዲ ኻብ ወሓዚ ኺሰቲ፡ ስለዚ ርእሱ ልዕል ኬብል እዩ።

  Psalms (110/150)