Psalms (11/150)  

1. ኣብ እግዚኣብሄር ኣዕቍበ አሎኹ፣ ከመይ ደኣ ንነፍሰይ፣ ከም ዑፍ ናብ ከረንኪ ህደሚ፣ እትብልዋ፣
2. ንቕኑዓት ልቢ ብጸልማት ምእንቲ ኺውርውሩሎም፣ እንሆ፣ ረሲኣን ቀስቶም ይግትሩ፣ ንፍላጻኦም ኣብ መንትግ የዝግብዎ።
3. መሰረታት እንድሕሪ ፈሪሱ ደኣ፣ እቲ ጻድቕ እንታይ ኪገብር ይከአሎ፣
4. እግዚኣብሄር ኣብ ቅድስቲ መቕደሱ እዩ፣ ዝፋን እግዚኣብሄር ኣብ ሰማያት እዩ፣ ኣዒንቱ ይጥምታ፣ ቈላሕታኡ ንደቂ ሰብ ይዕዘባኦም አለዋ።
5. እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ፣ ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም።
6. እግዚኣብሄርሲ ጻድቕ፣ ንጽድቂ ዜፍቅር እዩ፣ ቅኑዓትውን ገጹ ኺርእይዎ እዮም እሞ፣ ኣብ ልዕሊ ረሲኣን መጽመድ ኬዝንም፣ ዕድሎት ጽዋኦም ከኣ ሓውን ዲንን ጕሁር ንፋስን ኪኸውን እዩ።
7. እግዚኣብሄርሲ ጻድቕ፣ ንጽድቂ ዜፍቅር እዩ፣ ቅኑዓትውን ገጹ ኺርእይዎ እዮም እሞ፣ ኣብ ልዕሊ ረሲኣን መጽመድ ኬዝንም፣ ዕድሎት ጽዋኦም ከኣ ሓውን ዲንን ጕሁር ንፋስን ኪኸውን እዩ።

  Psalms (11/150)