| ← Psalms (109/150) → | 
| 1. | ኣታ ኣምላኽ ምስጋናይ፡ ኣፍ ረሲኣን ኣፍ ጥበራን ናባይ ተኸፊቶም፡ ብሓሳዊት መልሓስ ይዛረቡኒ፡ ብቓላት ጽልኢ ኸቢቦምኒ፡ ብዘይ ምኽንያት ይዋግኡኒ ኣለዉ እሞ፡ ስቕ ኣይትበል። | 
| 2. | ኣታ ኣምላኽ ምስጋናይ፡ ኣፍ ረሲኣን ኣፍ ጥበራን ናባይ ተኸፊቶም፡ ብሓሳዊት መልሓስ ይዛረቡኒ፡ ብቓላት ጽልኢ ኸቢቦምኒ፡ ብዘይ ምኽንያት ይዋግኡኒ ኣለዉ እሞ፡ ስቕ ኣይትበል። | 
| 3. | ኣታ ኣምላኽ ምስጋናይ፡ ኣፍ ረሲኣን ኣፍ ጥበራን ናባይ ተኸፊቶም፡ ብሓሳዊት መልሓስ ይዛረቡኒ፡ ብቓላት ጽልኢ ኸቢቦምኒ፡ ብዘይ ምኽንያት ይዋግኡኒ ኣለዉ እሞ፡ ስቕ ኣይትበል። | 
| 4. | ኣብ ክንዲ ዘፍቀርክዎም ተጻረሩኒ፡ ኣነ ግና እጽሊ ኣሎኹ። | 
| 5. | ኣብ ክንዲ ሰናይ እከይ፡ ኣብ ክንዲ ፍቕረይ ከኣ ጽልኢ ፈድዮምኒ። | 
| 6. | ረሲእ ኣብ ልዕሊኡ ኣቚመሉ፡ ተጻራሪ ኣብ የማኑ ይቑም። | 
| 7. | ምስ ተፈርደ፡ ተረቲዑ ይውጻእ፡ ጸሎቱውን ንሓጢኣት ይኹኖ። | 
| 8. | መዓልትታቱ ሒደት ይኹና፡ ንሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ። | 
| 9. | ውሉዱ ዘኽታማት ይኹኑ፡ ሰበይቱውን መበለት ትኹን። | 
| 10. | ውሉዱ እናዞሩ ይለምኑ፡ ካብተን ዝዐነዋ ኣባይቶም ርሒቖም፡ እንጌራ ይድለዩ። | 
| 11. | ንዘለዎ ዂሉ እቲ መሓረጺ ይሐዞ፡ ጓኖት ከኣ ንጻማኡ ይዝመትዎ። | 
| 12. | ዚልውሃሉ ሓደ እኳ ኣይረኸብ፡ ንዘኽታማቱ ዚርሕርሓሎም ከኣ ሓደ እኳ ኣይሀሉ። | 
| 13. | ሐድጉ ይጽነቱ፡ ስሞም ኣብ ካልኣይ ወለዶ ይደምሰስ። | 
| 14. | በደል ኣቦታቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይዘከር፡ ሓጢኣት ኣዲኡ ኸኣ ኣይደምሰስ። | 
| 15. | ኲሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይኹኑ፡ መዘከርታኦም ካብ ምድሪ የጥፍኣዮ። | 
| 16. | ንመስኪንን ንድኻን፡ ነቲ ልቡ እተሰብረን ምእንቲ ኪቐትሎም ሰጐጎም እምበር፡ ምሕረት ኪገብር ስለ ዘይሐሰበ፡ | 
| 17. | ንመርገም ፈተዋ፡ ንሳ ኸኣ መጸቶ፡ ንበረኽት ኣይበሀጋን፡ ንሳውን ረሐቐቶ። | 
| 18. | ንመርገም ከም ክዳኑ ተኸድና፡ ንሳ ኸኣ ከም ማይ ናብ ውሽጡ፡ ከም ቅብኢውን ናብ ኣዕጽምቱ ሰረጸት። | 
| 19. | ከምቲ ዚጓናጸፈሉ ልብስን፡ ከምቲ ዂሉ ጊዜ ዚዕጠቖ ቕናትን ይኹኖ። | 
| 20. | እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ናይ ተጻረርተይን ናይቶም ኣብ ነፍሰይ ክፉእ ዚዛረቡን ፍዳ ይኹን። | 
| 21. | ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ስለ ስምካ ኢልካ ርድኣኒ፡ ጸጋኻ ሰናይ እዩ እሞ፡ ኣናግፈኒ። | 
| 22. | ኣነ መስኪንን ድኻን እየ እሞ፡ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ቈሲሉ ኣሎ። | 
| 23. | ከም ዚነውሕ ጽላሎት እኸይድ፡ ከም ኣንበጣውን እሰጐጒ ኣሎኹ። | 
| 24. | ኣብራኸይ ብጾም ራዕራዕ በለ፡ ስጋይ ከኣ ካብ ስብሒ ዐበረ። | 
| 25. | መላገጺኦም ከኣ ዀንኩ፡ እተን ረኣዩኒ ርእሶም ይንቕንቑ። | 
| 26. | ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ርድኣኒ፡ እዚ ኢድካ ምዃኑ፡ ንስኻ ኸም ዝገበርካዮ ኺፈልጡስ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ብመጠን ጸጋኻ ኣናግፈኒ። | 
| 27. | ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ርድኣኒ፡ እዚ ኢድካ ምዃኑ፡ ንስኻ ኸም ዝገበርካዮ ኺፈልጡስ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ብመጠን ጸጋኻ ኣናግፈኒ። | 
| 28. | ንሳቶም ይረግሙ፡ ንስኻ ግና መርቕ፡ እንተ ተንስኡ፡ ኪሐፍሩ እዮም። ባርያኻ ግና ኪሕጐስ እዩ። | 
| 29. | ተጻረርተይ ውርደት ይከደኑ፡ ንነውሮም ከኣ ከም ነጸላ ይወንዘፍዎ። | 
| 30. | ካብቶም ንነፍሱ ዚዂንንዋ ኼድሕኖስ፡ ኣብ የማን እቲ ድኻ ቈይሙ ኣሎ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ብኣፈይ ኣዝየ ኸመስግኖ፡ ኣብ ማእከል ብዙሓትውን ክውድሶ እየ። | 
| 31. | ካብቶም ንነፍሱ ዚዂንንዋ ኼድሕኖስ፡ ኣብ የማን እቲ ድኻ ቈይሙ ኣሎ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ብኣፈይ ኣዝየ ኸመስግኖ፡ ኣብ ማእከል ብዙሓትውን ክውድሶ እየ። | 
| ← Psalms (109/150) → |