Psalms (109/150)  

1. ኣታ ኣምላኽ ምስጋናይ፡ ኣፍ ረሲኣን ኣፍ ጥበራን ናባይ ተኸፊቶም፡ ብሓሳዊት መልሓስ ይዛረቡኒ፡ ብቓላት ጽልኢ ኸቢቦምኒ፡ ብዘይ ምኽንያት ይዋግኡኒ ኣለዉ እሞ፡ ስቕ ኣይትበል።
2. ኣታ ኣምላኽ ምስጋናይ፡ ኣፍ ረሲኣን ኣፍ ጥበራን ናባይ ተኸፊቶም፡ ብሓሳዊት መልሓስ ይዛረቡኒ፡ ብቓላት ጽልኢ ኸቢቦምኒ፡ ብዘይ ምኽንያት ይዋግኡኒ ኣለዉ እሞ፡ ስቕ ኣይትበል።
3. ኣታ ኣምላኽ ምስጋናይ፡ ኣፍ ረሲኣን ኣፍ ጥበራን ናባይ ተኸፊቶም፡ ብሓሳዊት መልሓስ ይዛረቡኒ፡ ብቓላት ጽልኢ ኸቢቦምኒ፡ ብዘይ ምኽንያት ይዋግኡኒ ኣለዉ እሞ፡ ስቕ ኣይትበል።
4. ኣብ ክንዲ ዘፍቀርክዎም ተጻረሩኒ፡ ኣነ ግና እጽሊ ኣሎኹ።
5. ኣብ ክንዲ ሰናይ እከይ፡ ኣብ ክንዲ ፍቕረይ ከኣ ጽልኢ ፈድዮምኒ።
6. ረሲእ ኣብ ልዕሊኡ ኣቚመሉ፡ ተጻራሪ ኣብ የማኑ ይቑም።
7. ምስ ተፈርደ፡ ተረቲዑ ይውጻእ፡ ጸሎቱውን ንሓጢኣት ይኹኖ።
8. መዓልትታቱ ሒደት ይኹና፡ ንሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ።
9. ውሉዱ ዘኽታማት ይኹኑ፡ ሰበይቱውን መበለት ትኹን።
10. ውሉዱ እናዞሩ ይለምኑ፡ ካብተን ዝዐነዋ ኣባይቶም ርሒቖም፡ እንጌራ ይድለዩ።
11. ንዘለዎ ዂሉ እቲ መሓረጺ ይሐዞ፡ ጓኖት ከኣ ንጻማኡ ይዝመትዎ።
12. ዚልውሃሉ ሓደ እኳ ኣይረኸብ፡ ንዘኽታማቱ ዚርሕርሓሎም ከኣ ሓደ እኳ ኣይሀሉ።
13. ሐድጉ ይጽነቱ፡ ስሞም ኣብ ካልኣይ ወለዶ ይደምሰስ።
14. በደል ኣቦታቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይዘከር፡ ሓጢኣት ኣዲኡ ኸኣ ኣይደምሰስ።
15. ኲሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይኹኑ፡ መዘከርታኦም ካብ ምድሪ የጥፍኣዮ።
16. ንመስኪንን ንድኻን፡ ነቲ ልቡ እተሰብረን ምእንቲ ኪቐትሎም ሰጐጎም እምበር፡ ምሕረት ኪገብር ስለ ዘይሐሰበ፡
17. ንመርገም ፈተዋ፡ ንሳ ኸኣ መጸቶ፡ ንበረኽት ኣይበሀጋን፡ ንሳውን ረሐቐቶ።
18. ንመርገም ከም ክዳኑ ተኸድና፡ ንሳ ኸኣ ከም ማይ ናብ ውሽጡ፡ ከም ቅብኢውን ናብ ኣዕጽምቱ ሰረጸት።
19. ከምቲ ዚጓናጸፈሉ ልብስን፡ ከምቲ ዂሉ ጊዜ ዚዕጠቖ ቕናትን ይኹኖ።
20. እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ናይ ተጻረርተይን ናይቶም ኣብ ነፍሰይ ክፉእ ዚዛረቡን ፍዳ ይኹን።
21. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ስለ ስምካ ኢልካ ርድኣኒ፡ ጸጋኻ ሰናይ እዩ እሞ፡ ኣናግፈኒ።
22. ኣነ መስኪንን ድኻን እየ እሞ፡ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ቈሲሉ ኣሎ።
23. ከም ዚነውሕ ጽላሎት እኸይድ፡ ከም ኣንበጣውን እሰጐጒ ኣሎኹ።
24. ኣብራኸይ ብጾም ራዕራዕ በለ፡ ስጋይ ከኣ ካብ ስብሒ ዐበረ።
25. መላገጺኦም ከኣ ዀንኩ፡ እተን ረኣዩኒ ርእሶም ይንቕንቑ።
26. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ርድኣኒ፡ እዚ ኢድካ ምዃኑ፡ ንስኻ ኸም ዝገበርካዮ ኺፈልጡስ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ብመጠን ጸጋኻ ኣናግፈኒ።
27. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ርድኣኒ፡ እዚ ኢድካ ምዃኑ፡ ንስኻ ኸም ዝገበርካዮ ኺፈልጡስ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ብመጠን ጸጋኻ ኣናግፈኒ።
28.  ንሳቶም ይረግሙ፡ ንስኻ ግና መርቕ፡ እንተ ተንስኡ፡ ኪሐፍሩ እዮም። ባርያኻ ግና ኪሕጐስ እዩ።
29.  ተጻረርተይ ውርደት ይከደኑ፡ ንነውሮም ከኣ ከም ነጸላ ይወንዘፍዎ።
30.  ካብቶም ንነፍሱ ዚዂንንዋ ኼድሕኖስ፡ ኣብ የማን እቲ ድኻ ቈይሙ ኣሎ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ብኣፈይ ኣዝየ ኸመስግኖ፡ ኣብ ማእከል ብዙሓትውን ክውድሶ እየ።
31.  ካብቶም ንነፍሱ ዚዂንንዋ ኼድሕኖስ፡ ኣብ የማን እቲ ድኻ ቈይሙ ኣሎ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ብኣፈይ ኣዝየ ኸመስግኖ፡ ኣብ ማእከል ብዙሓትውን ክውድሶ እየ።

  Psalms (109/150)