| ← Psalms (108/150) → |
| 1. | ዎ ኣምላኽ፡ ልበይን ክብረይን ኣንቂደን ኣለዋ፡ ክዝምርን ከመስግንን እየ። |
| 2. | በገናን መሰንቆን ንቕሑ፡ ንወጋሕታ ኸንቅሓ እየ። |
| 3. | ጐይታየ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካ፡ ኣብ ማእከል ህዝብታት ክዝምረልካ እየ። |
| 4. | ምሕረትካ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዓብዪ፡ ሓቅኻውን ክሳዕ ደበናታት እዩ እሞ፡ |
| 5. | ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፡ ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ምድሪ ይኹን። |
| 6. | ፍትዋትካ ምእንቲ ኺናገፉስ፡ ብየማነይትኻ ድሕነናን ስምዓናን። |
| 7. | ኣምላኽ ኣብ መቕደስ ተዛረበ፡ እልል ክብል እየ፡ ንሰኬም ክመቅል፡ ንለሰ ሱኮት ክልክዕ እየ። |
| 8. | ጊልኣድ ናተይ እዩ፡ ምናሴውን ናተይ እዩ፡ ኤፍሬም መጸግዕ ርእሰይ፡ ይሁዳውን ዘንጊ ግዝኣተይ እዩ። |
| 9. | ሞኣብ ገበራ ምሕጻበይ እዩ። ኣብ ኤዶም ሳእነይ እድርቢ፡ ኣብ ፍልስጥኤም እልል ክብል እየ። |
| 10. | ናብታ ዕርድቲ ኸተማ መን ይወስደኒ? ናብ ኤዶም መን ኰን ይመርሓኒ? |
| 11. | ዎ ኣምላኽ፡ ንስኻዶ ኣይኰንካን ዝደርቤኻና? ንስኻ ኣምላኽ፡ ምስ ሰራዊትናኸ ኣይትወጽእን ዲኻ? |
| 12. | ረዲኤት ሰብ ከንቱ እዩ እሞ፡ ካብቲ ተጻራሪ ርድኣና። |
| 13. | ብኣምላኽ ንሕይል፡ ንሱውን ንተጻረርትና ኺረግጾም እዩ። |
| ← Psalms (108/150) → |