| ← Psalms (107/150) → | 
| 1. | እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ | 
| 2. | እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም፡ ካብ ኢድ ገፋዒ እተበጀዎም፡ ካብ ሃገራት፡ ካብ ምብራቕን ምዕራብን፡ ካብ ሰሜንን ደቡብን ዝኣከቦም፡ ከምዚ ይበሉ። | 
| 3. | እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም፡ ካብ ኢድ ገፋዒ እተበጀዎም፡ ካብ ሃገራት፡ ካብ ምብራቕን ምዕራብን፡ ካብ ሰሜንን ደቡብን ዝኣከቦም፡ ከምዚ ይበሉ። | 
| 4. | ኣብ በረኻ፡ ኣብ ጽምዋ መገዲ ዀብለሉ፡ ዚነብሩላ ዓዲ ኣይረኸቡን። | 
| 5. | ጠምዮም፡ ጸሚኦም፡ ነፍሶም ሰልከየት። | 
| 6. | ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፡ ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣናገፎም። | 
| 7. | ናብ ዚነብሩላ ዓዲ ኺበጽሑስ፡ ብቕኑዕ መገዲ መርሖም። | 
| 8. | ንጽምእቲ ነፍሲ ኣጽጊብዋ፡ ንጥምይቲ ነፍሲ ብሰናይ መሊእዋ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፡ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ። | 
| 9. | ንጽምእቲ ነፍሲ ኣጽጊብዋ፡ ንጥምይቲ ነፍሲ ብሰናይ መሊእዋ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፡ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ። | 
| 10. | ብመከራን ሓጺንን ተኣሲሮም፡ ኣብ ጸልማትን ኣብ ድነ ሞትን ነበሩ። | 
| 11. | ንቓል ኣምላኽ ስለ እተሃላለኽዎ፡ ንምኽሪ እቲ ልዑል ከኣ ስለ ዝነዐቕዎ፡ | 
| 12. | ንልቦም ብጻዕሪ ኣዋረዶ፡ ወደቑ፡ ዚረድእውን ሓደ እኳ ኣይነበረን። | 
| 13. | ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፡ ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣናገፎም። | 
| 14. | ካብ ጸልማትን ድነ ሞትን ኣውጽኦም፡ መቐውሖም ከኣ ሰባበረ። | 
| 15. | መዓጹ ኣስራዚ ሰቢሩ፡ መሸጐር ሓጺን ሰባቢሩ፡ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፡ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ። | 
| 16. | መዓጹ ኣስራዚ ሰቢሩ፡ መሸጐር ሓጺን ሰባቢሩ፡ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፡ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ። | 
| 17. | ዓያሱ ብሰሪ ግህሰቶምን ብሰሪ ኣበሳኦምን ተጨነቑ፡ | 
| 18. | ነፍሶም ንመብልዕ ዘበለ ፈንፈነቶ፡ ክሳዕ ደጌታት ሞትውን በጽሑ። | 
| 19. | ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፡ ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣናገፎም። | 
| 20. | ቃሉ ልኢኹ ኣሕወዮም፡ ካብ ጒድጓዶም ከኣ ኣናገፎም። | 
| 21. | ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ። | 
| 22. | መስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ይሰውኡ፡ ንግብርታቱውን ብእልልታ ይንገሩ። | 
| 23. | ብመራኽብ ናብ ባሕሪ ዚወርዱ፡ ኣብ ዓበይቲ ማያት ዚነግዱ፡ | 
| 24. | ንሳቶም ግብርታት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ዓሚቚ ድማ ተኣምራቱ ረኣዩ። | 
| 25. | ኣዘዘ እሞ፡ ማዕበላት ዜልዕል ህቦብላ ንፋስ ኣተንስኤ። | 
| 26. | ናብ ሰማይ ደየቡ፡ ናብ መዓሙቚ ወረዱ፡ ነፍሶም ብመከራ መኸኸት። | 
| 27. | ከም ሰካር ኣሕወዝወዙን ሰንከልከል በሉን፡ ኲሉ ጥበቦም ከኣ ጠፍኤ። | 
| 28. | ሽዑ ብመከራኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፡ ንሱውን ካብ ጸበባኦም ኣውጽኦም። | 
| 29. | ንህቦብላ ናብ ህድኣት ለወጦ፡ ማዕበላት ከኣ ዝግ በሉ። | 
| 30. | ስለ ዝሀድኤ ተሐጐሱ፡ ናብቲ ዝደለይዎ ወደብ ድማ ኣብጽሖም። | 
| 31. | ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ፡ | 
| 32. | ኣብ ማሕበር ኣህዛብ ልዕል የብልዎ፡ ኣብ ባይቶ ሽማግሌታት ድማ የመስግንዎ። | 
| 33. | ንወሓዝቲ ናብ በረኻ፡ ንዓይኒ ማያት ናብ ንቑጽ ምድሪ፡ ንፍርያም ምድሪ፡ ብሰሪ ኽፍኣት እቶም ዝነበርዋ፡ ናብ ጐልጐል ጨው ለወጦ። | 
| 34. | ንወሓዝቲ ናብ በረኻ፡ ንዓይኒ ማያት ናብ ንቑጽ ምድሪ፡ ንፍርያም ምድሪ፡ ብሰሪ ኽፍኣት እቶም ዝነበርዋ፡ ናብ ጐልጐል ጨው ለወጦ። | 
| 35. | ንበረኻ ናብ መዕቈር ማያት፡ ንንቑጽ ምድሪ ኸኣ ናብ ዓይኒ ማያት ለወጦ። | 
| 36. | ንጥሙያት ኣብኣ ኣሕደሮም፡ ንሳቶም ከኣ ዚነብሩላ ዓዲ ሰረቱ። | 
| 37. | ግርሁ ዘርኡ፡ ወይንታት ተኸሉ፡ ብዝሒ ፍረ ኸኣ ሀቦም። | 
| 38. | ባረኾም እሞ ኣዝዮም በዝሑ። ንኸብቶም ድማ ኣየውሐደሎምን። | 
| 39. | ደሓር ከኣ ብምጥቃዕ፡ ብመከራ፡ ብጓሂ ወሐዱን ተዋረዱን። | 
| 40. | ኣብ ልዕሊ መሳፍንቲ ሓሳር ከዐወ፡ መገዲ ኣብ ዜብሉ በረኻ ኣዀብለሎም። | 
| 41. | ንድኻ ኻብ ሽጋሩ ልዕል ኣበሎ፡ ንዓሌታት ድማ ከም መጓሰ ኣብዝሖም። | 
| 42. | ቅኑዓት ርእዮምዎ ኺሕጐሱ፡ ኣበሳ ዘበለውን ኣፉ ኺዐጹ እዩ። | 
| 43. | ለባም ዘበለ ነዚ ኼስተብህሎ እዩ፡ ንጸጋ እግዚኣብሄር ከኣ ኬስተውዕሎ እዩ። | 
| ← Psalms (107/150) → |