Psalms (106/150)  

1. ሃሌሉያ። ምሕረቱውን ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ኣመስግንዎ።
2. ንግብርታት ሓይሊ እግዚኣብሄር ኪዛረቦ፡ ንብዘሎ ምስጋናኡስ ኪነግሮ መን ይኽእል?
3. ፍርዲ ዚሕልዉ፡ ኲሉ ጊዜ ጽድቂ ዚገብሩ ብጹኣን እዮም።
4. ጐይታየ፡ በቲ ንህዝብኻ ዝሀብካዮ ጸጋ ዘክረኒ፡ ጣዕሚ ሕሩያትካ ኽርኢ፡ ብሓጐስ ህዝብኻ ኽሕጐስ ምስ ርስትኻውን ምእንቲ ክኽብርሲ፡ ብምድሓንካ ብጽሓኒ።
5. ጐይታየ፡ በቲ ንህዝብኻ ዝሀብካዮ ጸጋ ዘክረኒ፡ ጣዕሚ ሕሩያትካ ኽርኢ፡ ብሓጐስ ህዝብኻ ኽሕጐስ ምስ ርስትኻውን ምእንቲ ክኽብርሲ፡ ብምድሓንካ ብጽሓኒ።
6. ምስ ኣቦታትና ሓጢኣት ገበርና፡ በደልና። ግፍዒ ገበርና።
7. ኣቦታትና ኣብ ግብጺ ንተኣምራትካ ኣየስተውዐልዎን፡ ንብዝሒ ጸጋኻ ኣይዘከርዎን፡ ኣብ ባህሪ፡ ኣብቲ ባሕሪ ኤርትራ፡ ዐለዉ።
8. ንሱ ግና ስልጣኑ ምእንቲ ኼፍልጥሲ፡ ስለ ስሙ ኢሉ ኣድሐኖም።
9. ንባሕሪ ኤርትራ ገንሓ እሞ ነቐጸት፡ ከም ብበረኻ ድማ ብዓሚቚ መርሖም።
10. ካብ ኢድ ተጻራሪኦም ኣድሐኖም፡ ካብ ኢድ ጸላኢ ኸኣ ተበጀዎም።
11. ንተጻረርቶም ከኣ ማያት ደፈኖም፡ ካብኦም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።
12. ሽዑ ንቓላቱ ኣመኑ፡ ምስጋኑኡ ዘመሩ።
13. ንተግባሩ ቐልጢፎም ረስዕዎ፡ ንምኽሩ ኣይተጸበይዎን።
14. ኣብ በረኻ ኣዝዮም ተመነዩ፡ ኣብቲ ጽምዋ ንእግዚኣብሄር ፈተኑ።
15. ንሱ ኸኣ ዝለመንዎ ሀቦም፡ ግናኸ ንነፍሶም ዕብራን ለኣኸሎም።
16. ኣብቲ ሰፈር ንሙሴን ንኣሮን፡ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስን፡ ቀንኡሎም።
17. ምድሪ ተኸፊታ ንዳታን ወሐጠቶ፡ ንወገን ኣቢራም ከኣ ደፈነቶ።
18. ሓዊ ኣብ ማእከል ወገኖም ነደድ፡ ሃልሃልታ ንረሲኣን ወሐጦም።
19. ኣብ ሆሬብ ምራኽ ገበሩ፡ ንዘፈስስ ምስሊ ኸኣ ሰገዱሉ።
20. ክብረቶም ንምስሊ ሳዕሪ ዚበልዕ ብዕራይ ለወጥዎ።
21. ኣብ ግብጺ ዓብዪ ተግባር፡ ኣብ ሃገር ካም ተኣምራት፡ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ዜፍርህ ነገር ዝገበረ ኣምላኽ፡ መድሓኒኦም፡ ረስዕዎ።
22. ኣብ ግብጺ ዓብዪ ተግባር፡ ኣብ ሃገር ካም ተኣምራት፡ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ዜፍርህ ነገር ዝገበረ ኣምላኽ፡ መድሓኒኦም፡ ረስዕዎ።
23. ሽዑ ኼጥፍኦም ደልዩ ተዛረበ፡ ግናኸ ሙሴ፡ እቲ ሕሩዩ፡ ከየጥፍኦም ቊጥዓኡ ምእንቲ ኺመልስ፡ ኣብ ቅድሚ ገጹ ኣብ ማእከል ቈመ።
24. ነታ ፍትውቲ ሃገር ነዐቑ፡ ብቓሉውን ኣይኣመኑን።
25. ኣብ ድንኳናቶም ኣጒረምረሙ፡ ንድምጺ እግዚኣብሄር ከኣ ኣይሰምዕዎን።
26. ሽዑ ኢዱ ናብኦም ኣልዒሉ፡ ኣብ በረኻ ኼውድቖም፡ ንዘርኦም ከኣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኬውድቖም፡ ኣብ ሃገራትውን ፋሕ ኬብሎም መሐለ።
27. ሽዑ ኢዱ ናብኦም ኣልዒሉ፡ ኣብ በረኻ ኼውድቖም፡ ንዘርኦም ከኣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኬውድቖም፡ ኣብ ሃገራትውን ፋሕ ኬብሎም መሐለ።
28. ምስ በዓል ጴኦር ሐበሩ፡ መስዋእቲ ምዉታት ከኣ በልዑ።
29. ብግብርታቶም ከኣ ኣዀረይዎ፡ መዓትውን ወረዶም።
30. ሽዑ ፊንሃስ ተንሲኡ ፍትሒ ኣውጽኤ፡ እቲ መዓት ድማ ዛረየ።
31. እዚ ኸኣ ንሓዋሩ ንውሉድ ወለዶ ጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ።
32. ኣብ ማይ መሪባ ድማ ኣዀረይዎ፡ ሙሴውን ብሰሮም ተጐድኤ።
33. ንመንፈሱ ኣንጸርጺሮምዎ ነበሩ እሞ፡ ብኸናፍሩ ዕሽነት ተዛረበ።
34. ምስ ኣህዛብ ተሓባበሩ፡ ግብርታቶም ከኣ ተማህሩ እምበር፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝእዘዞም፡ ነህዛብ ኣየጽነትዎምን።
35. ምስ ኣህዛብ ተሓባበሩ፡ ግብርታቶም ከኣ ተማህሩ እምበር፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝእዘዞም፡ ነህዛብ ኣየጽነትዎምን።
36. ንጣኦታቶም ኣገልገሉ፡ ንሳቶም ከኣ መፈንጠርያ ዀንዎም።
37. ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ነጋንንቲ ሰውኡሎም።
38. ንጹህ ደም፡ ደም ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን፡ ኣፍሰሱ፡ ንጣኦታት ከነኣን ሰውእዎም፡ እታ ሃገርውን ብደም ረኸሰት።
39. በዚ ኸምዚ ብተግባሮም ረኸሱ፡ ብግብርታቶም ከኣ ኣመንዘሩ።
40. ሽዑ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ህዝቡ ነደደ፡ ንርስቱ ኸኣ ፈንፈኖ።
41. ኣብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፉ ሀቦም፡ እቶም ዝጸልእዎም ድማ መለኽዎም።
42. ጸላእቶም ከኣ ጠቕዕዎም፡ ኣብ ትሕቲ ኣእዳዎም ድማ ተዋረዱ።
43. ብዙሕ ጊዜ ኣናገፎም፡ ንሳቶም ግና ብምኽሮም ዐለዉ፡ ብኣበሳኦምውን ተዋረዱ።
44. ኣውያቶም ምስ ሰምዔ ኸኣ፡ ጸበባኦም ረኣየ።
45. ንኺዳኑ ድማ ዘከረሎም፡ ብመጠን ብዝሒ ሳህሉውን ራሕርሓሎም።
46. ኣብ ቅድሚ ዂሎም ማረኽቶም ከኣ ሞገስ ሀቦም።
47. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንቕዱስ ስምካ ኽንውድሶ፡ ብምስጋናኻውን ክንምካሕሲ፡ ኣናግፈናን ካብ ማእከል ኣህዛብ ኣክበናን።
48. እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይባረኽ። ሓምሳይ መጽሓፍ።

  Psalms (106/150)