| ← Psalms (106/150) → | 
| 1. | ሃሌሉያ። ምሕረቱውን ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ኣመስግንዎ። | 
| 2. | ንግብርታት ሓይሊ እግዚኣብሄር ኪዛረቦ፡ ንብዘሎ ምስጋናኡስ ኪነግሮ መን ይኽእል? | 
| 3. | ፍርዲ ዚሕልዉ፡ ኲሉ ጊዜ ጽድቂ ዚገብሩ ብጹኣን እዮም። | 
| 4. | ጐይታየ፡ በቲ ንህዝብኻ ዝሀብካዮ ጸጋ ዘክረኒ፡ ጣዕሚ ሕሩያትካ ኽርኢ፡ ብሓጐስ ህዝብኻ ኽሕጐስ ምስ ርስትኻውን ምእንቲ ክኽብርሲ፡ ብምድሓንካ ብጽሓኒ። | 
| 5. | ጐይታየ፡ በቲ ንህዝብኻ ዝሀብካዮ ጸጋ ዘክረኒ፡ ጣዕሚ ሕሩያትካ ኽርኢ፡ ብሓጐስ ህዝብኻ ኽሕጐስ ምስ ርስትኻውን ምእንቲ ክኽብርሲ፡ ብምድሓንካ ብጽሓኒ። | 
| 6. | ምስ ኣቦታትና ሓጢኣት ገበርና፡ በደልና። ግፍዒ ገበርና። | 
| 7. | ኣቦታትና ኣብ ግብጺ ንተኣምራትካ ኣየስተውዐልዎን፡ ንብዝሒ ጸጋኻ ኣይዘከርዎን፡ ኣብ ባህሪ፡ ኣብቲ ባሕሪ ኤርትራ፡ ዐለዉ። | 
| 8. | ንሱ ግና ስልጣኑ ምእንቲ ኼፍልጥሲ፡ ስለ ስሙ ኢሉ ኣድሐኖም። | 
| 9. | ንባሕሪ ኤርትራ ገንሓ እሞ ነቐጸት፡ ከም ብበረኻ ድማ ብዓሚቚ መርሖም። | 
| 10. | ካብ ኢድ ተጻራሪኦም ኣድሐኖም፡ ካብ ኢድ ጸላኢ ኸኣ ተበጀዎም። | 
| 11. | ንተጻረርቶም ከኣ ማያት ደፈኖም፡ ካብኦም ሓደ እኳ ኣይተረፈን። | 
| 12. | ሽዑ ንቓላቱ ኣመኑ፡ ምስጋኑኡ ዘመሩ። | 
| 13. | ንተግባሩ ቐልጢፎም ረስዕዎ፡ ንምኽሩ ኣይተጸበይዎን። | 
| 14. | ኣብ በረኻ ኣዝዮም ተመነዩ፡ ኣብቲ ጽምዋ ንእግዚኣብሄር ፈተኑ። | 
| 15. | ንሱ ኸኣ ዝለመንዎ ሀቦም፡ ግናኸ ንነፍሶም ዕብራን ለኣኸሎም። | 
| 16. | ኣብቲ ሰፈር ንሙሴን ንኣሮን፡ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስን፡ ቀንኡሎም። | 
| 17. | ምድሪ ተኸፊታ ንዳታን ወሐጠቶ፡ ንወገን ኣቢራም ከኣ ደፈነቶ። | 
| 18. | ሓዊ ኣብ ማእከል ወገኖም ነደድ፡ ሃልሃልታ ንረሲኣን ወሐጦም። | 
| 19. | ኣብ ሆሬብ ምራኽ ገበሩ፡ ንዘፈስስ ምስሊ ኸኣ ሰገዱሉ። | 
| 20. | ክብረቶም ንምስሊ ሳዕሪ ዚበልዕ ብዕራይ ለወጥዎ። | 
| 21. | ኣብ ግብጺ ዓብዪ ተግባር፡ ኣብ ሃገር ካም ተኣምራት፡ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ዜፍርህ ነገር ዝገበረ ኣምላኽ፡ መድሓኒኦም፡ ረስዕዎ። | 
| 22. | ኣብ ግብጺ ዓብዪ ተግባር፡ ኣብ ሃገር ካም ተኣምራት፡ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ዜፍርህ ነገር ዝገበረ ኣምላኽ፡ መድሓኒኦም፡ ረስዕዎ። | 
| 23. | ሽዑ ኼጥፍኦም ደልዩ ተዛረበ፡ ግናኸ ሙሴ፡ እቲ ሕሩዩ፡ ከየጥፍኦም ቊጥዓኡ ምእንቲ ኺመልስ፡ ኣብ ቅድሚ ገጹ ኣብ ማእከል ቈመ። | 
| 24. | ነታ ፍትውቲ ሃገር ነዐቑ፡ ብቓሉውን ኣይኣመኑን። | 
| 25. | ኣብ ድንኳናቶም ኣጒረምረሙ፡ ንድምጺ እግዚኣብሄር ከኣ ኣይሰምዕዎን። | 
| 26. | ሽዑ ኢዱ ናብኦም ኣልዒሉ፡ ኣብ በረኻ ኼውድቖም፡ ንዘርኦም ከኣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኬውድቖም፡ ኣብ ሃገራትውን ፋሕ ኬብሎም መሐለ። | 
| 27. | ሽዑ ኢዱ ናብኦም ኣልዒሉ፡ ኣብ በረኻ ኼውድቖም፡ ንዘርኦም ከኣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኬውድቖም፡ ኣብ ሃገራትውን ፋሕ ኬብሎም መሐለ። | 
| 28. | ምስ በዓል ጴኦር ሐበሩ፡ መስዋእቲ ምዉታት ከኣ በልዑ። | 
| 29. | ብግብርታቶም ከኣ ኣዀረይዎ፡ መዓትውን ወረዶም። | 
| 30. | ሽዑ ፊንሃስ ተንሲኡ ፍትሒ ኣውጽኤ፡ እቲ መዓት ድማ ዛረየ። | 
| 31. | እዚ ኸኣ ንሓዋሩ ንውሉድ ወለዶ ጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ። | 
| 32. | ኣብ ማይ መሪባ ድማ ኣዀረይዎ፡ ሙሴውን ብሰሮም ተጐድኤ። | 
| 33. | ንመንፈሱ ኣንጸርጺሮምዎ ነበሩ እሞ፡ ብኸናፍሩ ዕሽነት ተዛረበ። | 
| 34. | ምስ ኣህዛብ ተሓባበሩ፡ ግብርታቶም ከኣ ተማህሩ እምበር፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝእዘዞም፡ ነህዛብ ኣየጽነትዎምን። | 
| 35. | ምስ ኣህዛብ ተሓባበሩ፡ ግብርታቶም ከኣ ተማህሩ እምበር፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝእዘዞም፡ ነህዛብ ኣየጽነትዎምን። | 
| 36. | ንጣኦታቶም ኣገልገሉ፡ ንሳቶም ከኣ መፈንጠርያ ዀንዎም። | 
| 37. | ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ነጋንንቲ ሰውኡሎም። | 
| 38. | ንጹህ ደም፡ ደም ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን፡ ኣፍሰሱ፡ ንጣኦታት ከነኣን ሰውእዎም፡ እታ ሃገርውን ብደም ረኸሰት። | 
| 39. | በዚ ኸምዚ ብተግባሮም ረኸሱ፡ ብግብርታቶም ከኣ ኣመንዘሩ። | 
| 40. | ሽዑ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ህዝቡ ነደደ፡ ንርስቱ ኸኣ ፈንፈኖ። | 
| 41. | ኣብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፉ ሀቦም፡ እቶም ዝጸልእዎም ድማ መለኽዎም። | 
| 42. | ጸላእቶም ከኣ ጠቕዕዎም፡ ኣብ ትሕቲ ኣእዳዎም ድማ ተዋረዱ። | 
| 43. | ብዙሕ ጊዜ ኣናገፎም፡ ንሳቶም ግና ብምኽሮም ዐለዉ፡ ብኣበሳኦምውን ተዋረዱ። | 
| 44. | ኣውያቶም ምስ ሰምዔ ኸኣ፡ ጸበባኦም ረኣየ። | 
| 45. | ንኺዳኑ ድማ ዘከረሎም፡ ብመጠን ብዝሒ ሳህሉውን ራሕርሓሎም። | 
| 46. | ኣብ ቅድሚ ዂሎም ማረኽቶም ከኣ ሞገስ ሀቦም። | 
| 47. | ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንቕዱስ ስምካ ኽንውድሶ፡ ብምስጋናኻውን ክንምካሕሲ፡ ኣናግፈናን ካብ ማእከል ኣህዛብ ኣክበናን። | 
| 48. | እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይባረኽ። ሓምሳይ መጽሓፍ። | 
| ← Psalms (106/150) → |